ኤርትራ፡ “እቲ ዝበዝሕ ዝስደድ ኣብ ቤቱ ቅሳነትን ርግኣትን ዘይብሉ ህዝቢ እዩ”

ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ንብሪጣንያ ዝኣተው ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፡ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ከተማ ኦክስፎርድ፡ ብሽፍንቲ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣተዉ ትሽዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተው ሓቢሮም። እቲ ዛንታ ሕጂ ስለዝመጽአ እምበር ቅድሚ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመትሲ ልሙድ እዩ ነይሩ::።

ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ፡ ምስ ሞትን ሓደጋን ዝተኣሳስር ፍሉይ ፍጻሜ እንተዘይኮይኑ ምእታው ስደተኛታት ከም ልሙድ ስለዝረአ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣይቀርብን እዩ።

ሕጂ ግን ብሪጣንያ ድሕሪ እቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ዝደፋፍኣ ምኽንያት ዋሕዚ ስደተኛታት ንዶባተይ ብኹሉ ምሉ ክቆጻጸሮ ኣሎኒ ኣብ እትብለሉ እዋን ስለዘጋጠመ እቲ ፍጻሜ ኣብ ዜና ቀሪቡ።

ኣብታ እዞም ስደተኛታት ዝኣተውላ ዕለት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ታሕሳስ ናይዚ ዓመት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቕሊላ ክትወጽእ ስለዝኾነት ዶባታ ንምቁጽጻር 705 ሚልዮን ባጀት ኣብ ዝመደበትሉ እዋን ስለዝኾነ ክፍሊ ኢሚግሬሺን ዓባይ ብሪጣንያ ንኸምኡ ዓይነት ስልኳ ኣጥቢቖም ክከታተሉዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

ስለምንታይ ምዕጻው ዶባት?

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዘካየደቶ ረፈረንደም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ዝደለየትሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ፍትሕ ዝጠለበ 51.9% ህዝባ “ብስደተኛታት ተወሪርና” ብዝብል ስምዒት እዩ።

ኣብ 1961 ናብ ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዝተጸምበረት ብሪጣንያ፡ ኣብ ጥሪ 1973 ኣባል ኤውሮጳዊ ማሕበረሰብ ኮይና። ኣብ 1975 እቲ ማሕበር ናብ ሕብረት ምስ ዓበየ ከኣ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኮይና ብሉልይ ተራ ክሳብ ጥሪ 2020 ክትዋሳእ ጸኒሓ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ግን ካብቲ ሕብረት ጠቕሊላ ትወጽእ ኣላ። ሕብረት ኤውሮጳ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ኩናትን ወረ ኩናትን ንምውጋድን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ንምንጻፍን ብተበግሶ ውሑዳት ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ሰበ ስልጣንን እዩ ጀሚሩ።

ኣብ መስርሕ ከኣ በብደረጅኡ እናማዕበለን ዝተፈላለያ ሃገራት እናተጸንበረኦ ብዕላማን ንጥፈትን እናሰፍሐ ናብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ዓብዩ።

እቲ ሕብረት፡ ኣብ 2005 ንሓያሎ ኣብ ማሕበርነታዊ ቀጽሪ ዝጸንሓ ድኹም ዝቑጠበአን ከም በዓል ፖላንድ፡ ሃንጋሪ፡ ሩሜንያ፡ ቡልጋርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ጸንበረ ኣብ ገሊአን ኣባላት ተወሪርና ዝብል ስምዒት ዓብዩ።

ዜጋታት እተን ድሒረን ናብቲ ሕብረት ዝተጸምበራ ሃገራት፡ ኣብተን ብቑጠባ ዝማዕበላ ከም ፈረንሳ፡ ጀርመን ዓባይ ብሪጣንያ ከይዶም ኣብ ዝተፈላለየ ጉልበታውን ሞያውን ዕዮ ብትሑት ክፍሊት ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ ስራሕና ተሓዲግና ተወሪርና ዝብል ስምዒት ማዕቢሉ ኣብ መወዳእታ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ንኽትወጽእ ደሪኹ።

ብድሕሪኡ እምበኣር እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸንሐ ጽልኢ ዓብዩን ዓሪጉን። ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ፖለቲከኛ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብፍላይ ካብቲ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ “ዶባት ብሪጣንያ ስደተኛታት ንኸይሰልኩዎ ክንርግጦ ኢና” ክብሉ እዮም ዝዛረቡ።

እዞም ሕጂ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ዝበሃሉ ዘለው ትሽዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት እምበኣር ኣብ ከምዚ ተኣፋፊ እዋን እዮም ሶሊኾም።

ከም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እምበኣር፡ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ሊብያን ቱርክን ስደተኛታት ንኸይሰልኩዎን ንዝገብረኦ ዘለዋ ጨካን ስጉምቲ “ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ሰብኣዊ መሰላት ክጉዕጸጽ ኣይግባእን” ኢለን ክምጉታ ጸኒሐን ኣለዋ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, MAHMUD TURKIA/AFP/Getty Images

ስደተኛታት ውህስነት የድልዮም

እተን ብስደተኛታት አዕለቕሊቕና ዝብል ስምዒት ዘሕደራን ብዝኽእልኦ ዘበለ መገዲ ስደት ክርግጣ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት፡ ብሊብያ ንዝመጽእ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ኣብታ ርግኣት ዘይብላ ሃገር ምስ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ሊብያ ከይተረፈ ክመሓዘዋ ከምዝጀመራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣቕሪባቶ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታተ ዝተራእየ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራትን ከሻቕሎም ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ስደተኛታት ከካብ ሃገራቶም ካብ ኩናት ሓድሕድን ዓሌታዊ ጎንጽን፡ ዘበናዊ ባርነትን ራዕድን ሃድንን ሃዲሞም ስለዝወጽኡ ውሕስነት የደልዮም።

ኤርትራውያን ከኣ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ 'ምልካዊ ምሕደራን' ክሃድሙ ይስደዱ ከምዘለው፡ ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ፕሮፌሰር ምዕባለን ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።

እዞም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይ ሽፍንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ንብሪጣንያ ዝኣተው ሰባት እውን ከም ካልኦት በብእዋኑ ዝስደዱ ዘለው መዛኖኦም ህይወቶም ዘውሕሱሉ ውሑስ ሃገር ክረኽቡ እዮም መጺኦም።

ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብፍላይ ስደተኛታት ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደተን ገሊአን ክሳብ ሞተን ዝሰትረኦ ዓው ኢለን ዘይዛረባሉ ኣብ ውሽጠን ክሓቕየን ዝነብር ከቢድ ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ከምዘጋጥመን ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ይገልጹ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግራ ፈቲነን ዘይቀንዐን፡ ሸውዓተ ካብ መኻይድተን ገሊኦም ብኣንጸርጽሮት ናብ ባሕሪ ዘሊሎም ዝኣተዉን ገሊኦም ብጽምእን ሕማምን ኣብ ዝነበሩዋ ጃልባ ክሞቱን ንዝረኣያ ደቀንስትዮ ኣዘራሪቡስ “ ኣብ ሊብያ ኣብ ገሃነብ ኢና ንነብር ዘለና!” ብዝብል ሓደ ዓንቀጽ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እዞም ሕጂ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ትሽዓተ ኤርትራውያን እምበኣር ካብቲ ገሃነብ እትን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ካብ ዘጋጥሞም ግፍዕን መከራን ክዕቆቡ እዮም ብሞት እናተፈተኑ ኣትዮም።