ደዃኩን ብሪጣንያ፡ ብኣህባይ ዝተኣርየ ፍረ ኮኮናት ኣይንቕበልን ይብላ

ኮኮናት ዝኣርዩ ዘለው ኣህባይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ገለ ፍሉጣት ደዃኩን (ሱፐር ማርኬታት) ዓዲ-እንግሊዝ ዘለወን ናይ ኮኮናት ማይን ዘይትን ይጉሕፋ ኣለዋ።

ስለምንታይዶ ኢልኩም? እቲ ፍረ ኮኮናት ብኣህባይ ስለዝተኣርየ ብዝብል’ዩ።

ሓደ ብ’ፔታ’ ዝፍለጥ ተጣባቒ መሰል እንስሳታት ማሕበር ከምዝበሎ፡ እተን ኣህባይ ካብ ተፈጢሮኣዊ ማሕድሮአን ተታሒዘን፡ ኣብ መዓልቲ 1000 ፍረ ኮኮናት ከም ዝኣርያ ዝሰልጠና’የን ክብል ይኸስስ።

ኣብ ታይላንድ ዝርከባ፡ ጭራ ሓሰማ ዘለወን ‘ማካኲስ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ኣህባይ ከም “ኮኮናት ዝኣርያ ማሽነት” ከም ዘገልግላ እቲ ጉጅለ ይገልጽ።

እዚ ባህ ዘይበሎም፡ ከም ብዓል ‘ወይትሮስ’፡ ‘ኦካዶ’፡ ‘ኮ-ኦፕ’ ከምኡ’ውን ፋርማሲ ‘ቡትስ’ ዝበሉ ዓበይቲ ኣከፋፈልቲ ነቶም ብኮኮናት ታይላንድ ዝተሰርሑ ፍርያት ምዕዳግ ደው ከብሉ ወሲኖም ኣለዉ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ናይ ኣስቤዛ ደዃኩን ዝኾነ ‘ሞሪሶንስ’ ብወገኑ፡ ድሮ ነቲ ካብ ኮኮናት ዝፈረየ ኣቚሑቱ ኣልዩዎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንድሕነት እንስሳታት ብዘለና ፖሊሲ መሰረት፡ ረሃጽ ኣህባይ ዝፈሰሶ ፍርያት ከይንዕድግ ምሒልና ኢና” ኢሉ።

‘ኮ-ኦፕ’ (Co-op) ብወገኑ፡ “ሞራል ዘለዎ ኣከፋፋሊ ከም ምዃንና መጠን፡ ቀማማት ናይቲ እንሸጦ ፍርያት ዕዮ ኣህባይ ዝተሓወሶ ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና” ኢሉ።

ትማሊ ዓርቢ፡ ተጣባቒት ዕቃበ ተፈጥሮ ዝኾነት መጻምድቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዝኾነት ካሪ ሲሞንድስ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኩለን ኣከፋፈልቲ ነቲ ብኣህባይ ዝተኣርየ ጥረ-ነገራት ዝስራሕ ፍርያት ክሕሰምኦ ጸዊዓ ነይራ።

ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት’ውን፡ ነቲ ዝተባህለ ፍርያት የጻርይኦ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ውሳነ ክወስዳ ምዃነን ሓቢረን።

‘ቴስኮ’ (Tesco) ግን፡ “እቲ ንሕና እንሸጦ ናይ ኮኮናት ማይን ጸባን ዕዮ ኣህባይ ዝተሓወሶ ኣይኮነን” ክብል ገሊጹ’ሎ።

ካብቶም ኣብ ምእርራይ ኮከናት ዝተዋፈሩ ኣህባይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

‘ኣብያተ-ትምህርቲ ኣህባይ’

እቲ ጉጅለ ተጣባቒ እንስሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ 8 ሕርሻታት፡ ኣህባይ ነቲ ንወጻኢ ዝለኣኽ ኮኮናት ንምእራይ ከምዝሽቅላ ይገልጽ።

ተባዕትዮ ኣህባይ፡ ነፍሲወከፎም ኣብ መዓልቲ 1000 ኮኮናት ክኣርዩ ከም ዝግደዱ’ውን ፔታ ይዛረብ። ሓደ ሰብ ግን ኣብ መዓልቲ 80 ኮኮናት ጥራይ’ዩ ክኣሪ ዝኽእል ድማ ይብል።

እቶም እንስሳታት ፍረታት ምእራይ ዝስልጥንሉ ‘ኣብያተ-ትምህርቲ ኣህባይ’ ከም ዝረኸበ’ውን ገሊጹ። እቶም ኣህባይ፡ ንበጻሕቲ ንምዝንጋዕ፡ ብሽክሌታታት ምዝዋርን ኲዕሶ ሰኪዔት ምጽዋትን ከም ዝስልጥኑ’ውን ፔታ ሓቢሩ።

“ኣብዘን ማእከላት ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ዕሸሎም እንከለዉ ዝተታሕዙ እንስሳታት፡ ክቱር ጸቕጢ ከምዝሓለፉ ዘርኢ ባህርያት ኣርእዮም” ኢሉ።

እቶም ኣህባይ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝግበረሎም ጭብጥታት ከምዘለዎ’ውን እቲ ጉጅለ ይጠቅስ። እቶም ክናኸሱ ይኽእሉ’ዮም ዝተባህሉ ኣህባይ፡ ኣስናኖም ከይተረፈ ከም ዝንቀል ሓበሬታ ረኺበ ይብል።

“ፔታ፡ ጭዋታት ሰባት ነቲ ካብ ኮኮናት ታይላንድ ዝስራሕ ፍርያት ብምሕሳም፡ ንዕዮ ኣህባይ ክነጽጉ ይጽውዕ።”