"ንዝፈትዎ ወዲ ኣኮይ ብፌስቡክ ቀቢረዮ"

ወናብር በብሓደ ሜትሮ ተፈናቲቱ ተቐሚጡ'ሎ። ኣዝማድ ብሓደ ገጽ፡ ኣቕሽቲ በቲ ኻልእ ገጽ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ኩሎም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሮም እዮም።

መንግስቲ ኬንያ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቀብሪ ብኸመይ ክፍጸም ከምዘለዎ መምርሒ ኣውጺኡ እዩ።

በዚ መምርሒ መሰረት ድማ፡ ኣብ ቀብሪ ብኣካል ክርከቡ ዝኽእሉ ሰባት 15 ጥራይ እዮም።

ቀብሪ ክሪስ ሰዓት ንጉሆ ሰዓት ሰለስተ (ትሸዓተ) ክውዳእ ኣለዎ።

ወጋሕታ ኩልና ተኣኪብና። ዝተኣከብናዮ ግን ኣብቲ ቀብሪ ዝፍጸመሉ ቦታ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቅድሚ ቴሌፎናትናን ኮምፒዩተራትናን እዩ ነይሩ።

ነቲ ስርዓተ ቀብሪ፡ ኣብ ፌስቡክ ብቀጥታ ክንዕዘብ ጀሚርና።

ብኣማኢት ዝቑጸር ሰብ ነቲ ቀብሪ ብፌስቡክ ይከታተሎ ነይሩ።

ምኽንያቱ ድማ፡ ክሪስ ሕያዋይ ሰብ እዩ ነይሩ። ኩልሻብ ተዋዛያይ፡ ንሓጎስ ናይቲ ቤተሰብ ዘድምቕ፡ ሰሓቑ ብርሑቕ ዝስማዕ፡ ንዝተጸገሙ ኣለኹልኩም በሃሊ እዩ ነይሩ።

ንሕና ግን፡ ኣብ ቀብሩ'ኳስ ብኣካል ክንርከብ ኣይተዓደልናን።

ክሪስ ዋላ'ኳ ወዲ ኣኮይ ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓደ መረባ እናተጻወትና ኢና ዓቢና። ክሪስ ማለት ንዓይ ልዕሊ ሓወይ እዩ ነይሩ።

ክሪስ፡ ኪሱሙ ኣብ ትበሃል ኣብ ምብራቕ ኬንያ ዘላ ከተማ እዩ ዝነብር ነይሩ።

ንቁሩብ ሰሙናት ምስሓመመ፡ ብፋሲካ እዩ ዓሪፉ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ድማ ክቕበር ነይርዎ።

እንተኾነ፡ ብዙሓት መቕርባቱን ፈተውቱን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኢና ንነብር። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ፡ ካብ ናይሮቢ ምውጻእ ኮነ፡ ናብ ናይሮቢ ምእታው ክልኩል እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ናብ ቀብሪ ክሪስ ክንከይድ ኣይከኣልናን።

ስነ ስርዓት ቀብሩ፡ ሕጽር ዝበለ እዩ ነይሩ። ክሪስ ኣብ ቤተክርስትያን ኣባል መዘምራን ኮይኑ፡ ወቓዒ ኸበሮ እዩ ነይሩ።

ኣብ ቀብሩ ግን፡ መዝሙር ዝዝምረሉ ኮነ መሳርሒ ሙዚቃ ዝጻወተሉ ሰብ ዘይምንባሩ፡ የሕዘን።

መቕርባቱ ክገብርዎ ዝኸኣሉ ሓደ ነገር እንተሎ፡ ስርዓተ ቀብሩ ኣብ ፌስቡክ ብቐጥታ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብዛዕባ ክሪስ ዝዝክርዎ ነገራት እናልዓሉ፡ ርእይቶታት ይጽሕፉ ነይሮም።

ከምቲ ልሙድ ተሓቛቑፍካ ምብካይን "ኣጆኻ፡ ኣጆኺ" ምብህሃልን ግን ኣይነበረን።

ንኣዝማደይ ብኸምዚ ክቐብሮም እየ ኢለ ሓደ መዓልቲ'ኳ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ፡ ኣብ መንጎ፡ እቲ ናይ ፌስቡክ ፈነወ ተቛሪጹ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣካል ክሪስ ሓመድ ክድበ እንከሎ ክከታተል ኣይከኣልኩን።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቀብሪ ዓብዪ ቦታ እዩ ዝወሃቦ። ኣብ ባህልና'ውን ከምኡ እዩ። ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኽብሪ ክፋነዉ ኣለዎም።

ኣብ ከባቢ ምዕራባዊ ኬንያ፡ ሞትን ቀብርን ዓብዪ ቦታ እዩ ዝወሃቦም። ሬሳ ክቡር እዩ። ቀብሪ ድማ፡ ብህድኣት እዩ ዝፍጸም።

ብፍላይ ዓበይቲ ሰባት ክመውት እንከለዉ፡ ስርዓተ ቀብሮም ሰሙን ክወስድ ይኽእል። ሓዘን፡ ሓዊ እናንደድካ ምትእኽኻብ፡ ሕሉፍ ዛንታታት ኣልዒልካ ምውጋዕ ልሙድ እዩ።

ግን ከኣ፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ እዚ ዘይሕሰብ እዩ። መንግስቲ'ውን ኣይፈቕዶን። ሰብ፡ እንተስ ብኮሮናቫይረስ፡ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት እንተሞይቱ፡ ቀብሩ ብሓጺሩን ብጥንቃቐን እዩ ክካየድ ዘለዎ።

ናይ ክሪስ ቀብሪ'ውን ብኸምኡ እዩ ተፈጺሙ። መምርሒ ኣካላዊ ርሕቐት ከምዝተሓለወ ንምርግጋጽ ድማ፡ ናይ መንግስቲ ሰባት ናብቲ ቀብሪ መጺኦም ነይሮም እዮም።

እዚ ለበዳ ምስ ኣብቀዐ፡ ንክሪስ ተኣኻኺብና ዳግም ክንዝክሮ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን፡ ንክሪስ ቀቢረዮ ክብል ኣይክእልን።

እዚ፡ ዛንታ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ሜርሲ ጁማ እዩ።