ኮሮናቫይረስ፡ ንሰባት ዝጠቕም ኣገዳሲ ጥዕናዊ ሓበሬታ

ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ሰብ ዘጥቅዕ'ኳ እንተኾነ ቅድሚ ሕጂ ብኻልኦት ሕማማት ተጠቒዖም ንዝነበሩን ብዕድመ ድፍእ ንዘበሉን ሰባት ግን ዝያዳ ከም ዝሃስይ ይግለጽ።

ናይ ነዊሕ እዋን ጥዕናዊ ጸገም እንተነይሩካ ክትጭነቅ ትኽእል ኢኻ። ሰብ ሞያ ግን እዚ ዝስዕብ ማዕዳ ሂቦም ኣለዉ።

ግዳይ እቲ ሓደጋ መን'ዩ?

ምሉእ ጥዕና እንተለካ ማለት ካብ ካልኦት ሰባት ብዝሓሸ ብኾሮናቫይረስ ናይ ዘይምጥቃዕ ዕድል ኣለካ ማለት ኣይኮነን።

ዕድመ ዝደፍኡ፣ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ዘለዎምን ንድኻም ልቢ ሓዊስካ ካልኦት ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ሰባት ዝያዳ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኣለዎም።

መብዛሕቲኦም ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ምሕዋይ ዝጅምሩ ቅሩብ ዕረፍቲ ምስ ወሰዱ'ዩ። ምልክታት እቲ ቫይረስ ኣብ ገሊኦም ሰባት ዝያዳ ክኸብድን ክሳብ ንሞት ከቃልዖምን ይኽእል።

ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሕማማት ተመሳሳሊ'ዩ። ኣብነት ጉንፋዕን ሰዓልን።

  • ሰዓል
  • ልዑል መጠን ረስኒ
  • ትንፋስ ምቁርራጽ

ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥዕናዊ ኩነታቶም ብዘየገድስ ብኮሮናቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ልዑል'ዩ።

ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድምኦም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ጥዕናዊ ጸገማት እንተነይርዎም በቲ ቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ዝለዓለ ይኸውን።

ግዜ ዝወሰደ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ጸገም ማለት፡

  • ልቢ ድኻም
  • ጸገም ኩሊት
  • ጸገም ጣፍያ
  • 'ኒዮሮሎጂካል' ጸገማት

ዝያዳ ነቲ ሕማም ዝቃልዑ ኩነታት ጥዕነኦም ብዘየገድስ ዕደሚኦም ልዕሊ ሰብዓ ዓመት ዝኾኑን፡ ዕድሚኦም ትሕቲ ሰብዓ ዓመት ኮይኖም ድማ ካብዞም ዝስዕቡ ጸገማት ጥዕና ዘለዎምን እዮም።

  • ከም ናይ ኣዝማ፥ ንመተሓላለፊ ሳንቡእ ዝዓግት ሕማምን ብሮንካይትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ስርዓተ ምትንፋስ
  • ከም ድኻም ልቢ ዝኣመሰሉ ሕማማት ልቢ
  • ሕዱር ሕማም ኩሊት
  • ከም ወይቦ (ሀፓታይተስ) ዝኣመሰሉ ግዘ ዝወሰዱ ሕማማት
  • ከም ንጭዋዳታት ዘልምስን መሓውር ዘንቀጥቅጥን ሕማምን (Parkinson's disease)
  • ሕማም ሽኮር
  • ናይ ላልሽ ሕማም
  • ሕማማት ኤድስ፥ ምውሳድ ክኒን 'ስተሮይድ'ን ሕክምና ጨረርን (ኬሞተራፒ) ስዒቡ ዝፍጠር ምድኻም ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ሰብነት
  • ኣዝዩ ልዑል ክብደት ሰብነት (ኣርባዓን ልዕሊኡን ዝኾነ መጠን ዝምድና ቁመትን ክብደትን)
  • ነፍሰ ጾራት

ኩሉ ሰብ፡ ብኮሮናቫይረስ ከይተሓዝን ነቲ ሕማም ከየመሓላልፍን፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ተግባራዊ ክገብር እዩ ዝምከር ዘሎ፡፡ ብፍላይ ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ሰባት ድማ፡ ብእዋኑ ነቲ ማዕዳ ተግባራዊ ክገብርዎ ይምከር፡፡

ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዝኾኑ፡ ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባት ድማ፡ ን 12 ሰሙናት ንባዕሎም ኣብ ገዝኦም ብምኽዋል ክቕመጡ ይንገሮም ኣሎ።

ኣዝማ ኣለኒ፡ እንታይ ክገብር ይግበኣኒ?

ትካል ኣዝማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣየር ንምስሓብ ዝሕግዘኩም 'inhaler' ፡ ብዝተኣዘዘልኩም መሰረት መዓልታዊ ክትጥቀሙ እዩ ዝመክር፡፡

እዚ ድማ ኮሮናቫይረስ ሓዊሱ ኣዝማ ከልዕሉ ካብ ዝኽእሉ ቫይረስ ንምክልኻል ይሕግዘኩም።

ንምትንፋስ ዝሕግዘኩም ኢንሄለር ድማ ምሳኹም ክህሉ ኣለዎ።

ዕድመ ዝደፋእኩ እየ፡ ንባዕለይ ክውሽብ ኣለኒ'ዶ?

ዕድመ ብዘየገድስ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋትን ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ሰባት ንምክልኻልን፡ ኩሉ ሰብ ኣድላዪ ካብ ዘይኮኑ ርክባት ክርሕቕ ኣለዎ፡፡ ምስ ኣዕርኽቲ ቤተሰብን እኩባት ሰባትን ምርኻብ ኣየድልን ማለት እዩ፡፡

እዚ ድማ ዕድሚኦም ልዕሊ 70 ዓመት ንዝኾኑን ካልኦት ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ሰባትን ጠቓሚ እዩ።

ሕዱር ሕማም እንተሃልዩኒ'ኸ?

ደረጃ ሓደን ክልተን ሕማማት ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ዝለዓለ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ እዮም።

"ኮሮናቫይረስ ሕማም ሽኮር ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝተሓላለኸ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ" ዝብል ሓላፊ ክንክን ማእከል ሕማም ሽኮር ዓባይ ብሪጣንያ " ሕማም ሽኮር እንተሃልዩኩም፡ ምትንፋስ ጸገምን ዝኣመሰሉ ምልክታት እንተተራእዩኩም፡ ኣብ ደምኩም ዘሎ መጠን ሽኮር ክትከታተሉዎ ይግባእ" ይብል።

ነፍሰ ጾራት ክጭነቓሉዶ ይግባእ?

ዛጊት ነፍሰ ጾራትን ዕሸለንን፡ ኮሮናቫይረስ እንተሒዙዎም ክንደየናይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣይተረጋገጸን፡፡ ኮይኑ ግና፡ ነፍሰ ጾራት ንሕጂ ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብራ ከምዘለወን እዩ ዝግለጽ፡፡

ምስ ሰባት ዘለወን ኣካላዊ ምቅርራብ ድማ ክቕንሳ ኣለወን፡፡

ኣብ ሓለዋ ጥዕና ዝሰርሓ ነፍሰ-ጾራት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ጥንቃቐታት ክገብራ ይምከራ።

  • ትሕቲ 28 ሰሙን ነፍሰ-ጾር እንተኾንክን ዝኾነ ዓይነት ናይ ጥዕና ጸገም እንተዘይሃልዩክን፡ ኣካላዊ ምፍንታት ብምትግባር ክትሰርሒ ትኽእሊ ኢኺ፡፡ እንተተኻኢሉ ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ዘይምሕካም፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣድላዪ መከላኸሊ ምጥቃም።
  • ልዕሊ 28 ሰሙን ዝገበረ ጥንሲ እንተሃልዩኪ፡ እሞ ድማ ከም ናይ ልብን ሳንቡእን ሕማም እንተሃልዩኪ፡ ምስ ዝሓመሙ ሰባት ዝኾነ ዓይነት ቀጥታዊ ርክብ ክህልወኪ ኣይግባእን።

ሽጋራ የትክኽ እየ፡ ነዚ ሕማም ናይ ምቅላዕ ተኽእሎይ ዝለዓለ ድዩ?

ኣማኻሪት ጥዕና ዲቦራ ኣርኖት፡ ብዙሕ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት፡ ነዚ ቫይረስ ተቓላዕነቶም ንምክልኻል ጠቕሊሎም ክገድፍዎ ወይ ክቕንሱ ትመክር።

"ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት፡ ዝለዓለ ናይ ስርዓተ ምትንፋስ ረኽሲ ዘተቓልዑ ከምዝኾኑን፡ ካብ ዘየትክኹ ሰባት ብዕጽፊ ንኒሞንያ ዝተቓልዑ እዮም"ትብል፡፡

ናይ ሰዓል ክታበት የድልየኒ'ዶ?

ኮሮናቫይረስ ካብ ሰዓል ዘተፈለየ ቫይረስ ስለዝኾነ፡ እቲ ናይ ሰዓል ክታበት ክከላኸሎ ኣይክእልን።

ነብሰይ ከመይ ገይረ ክሕሉ ይኽእል?

እቲ ቫይረስ፡ ብምስዓልን ከም መደገፊታትን መኽፈቲ መዓጹን ዝበሉ ኣካላትን ኣቢሉ ከምዝመሓላለፍ ይግለጽ፡፡

ጽርየት ብግቡእ ምሕላው እቲ ቫይረስ ካብ ምዝርጋሕ ይኽልክሎ እዩ፡፡

  • ክንስዕልን ክህንጥስን እንከለና፡ ኣፍናን ኣፍንጫናን ብኢድና ዘይኮነስ ብሶፍት ወይ ብኢድና ክንሽፍን ይግባእ
  • ዝተጠቐምናሉ ሶፍት ቀልጢፍና ናብ እንዳ ጎሓፍ ምጉሓፍ
  • ኩሉ ሳዕ ኢድና ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፡ እንተዘይረኺብና ድማ መጽረዪ (ሳኒታዘር ) ምጥቃም
  • በቲ ሕማም ምስዝተለኸፉ ሰባት ዘይምትንኻፍ
  • ኢድካ ጽሩይ እንተዘይኮይኑ ዓይንኻ፥ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ዘይምትንካፍ
  • ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስራሕ