ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ግዘ ዕጽዋ ኣብ ሓደ እዋን 97 መካይን ተሰሪቐን

ጁሲ መካይ መካይን

ምንጪ ስእሊ, Jucy

መግለጺ ስእሊ, እዞም ጉጅለ ሰረቕቲ ሓጹር እቲ ትካል ሰይሮም፡ ንመዓጹ እቲ ትካል ክሳብ ዓንቀሩ ክኸፍትዎ ኣይተጸገሙን።

ንዝሓልሞ እቲ ኣጋጣሚ ዓቢ ዕድል'ዩ፡ እንታይ እሞ ንስርቒ እንደሞ ኮይኑ! ከም ኣሓ ምሉእ መጓሰ ድሕሪ ማይ ስትዮት ንሜዳ ምልእ ዘብልኦ፡ እዘን ናይ ክራይ መኻይን'ውን መፍትሐን ብዕንቅሩ ነቲ ሜዳ ምልእ ኢለንኦ ይርኣያ።

ኣብ ኒውዝላንድ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓሰ ዜጋታት እታ ሃገር ተደሪቱ እዩ፡ እዞም ስርቂ ዝተለሙ ሰባት ኸኣ፡ ነዚ ከም ጉልባብ ተጠቂሞም ናብቲ 'ስራሕና' ዝበልዎ ስርቂ ክወፍሩ ነቒሎም።

ዓይኒ እዞም ሰረቕቲ ዝዓለባ ትካል፡ ኣብ ኒውዚላድ ከተማ ኦክላንድ እትርከብ፡ ጁሲ እትብሃል ትካል ምክራይ መኪና እያ።

እዞም ጉጅለ ሰረቕቲ ሓጹር እቲ ትካል ሰይሮም፡ ንመዓጹ እቲ ትካል ክሳብ ዓንቀሩ ክኸፍትዎ ኣይተጸገሙን።

ነተን መካይን ኣተሲኦም ኸኣ ካብቲ ቀጽሪ ክወጽኡ ጀሚሮም።

እዞም ጉጅለ ሰረቕቲ፡ ቀዳማይ እበረ መካይን ኣብቲ ዝሓሰብዎ ኣብጺሖም፡ ንካልኣይ እብረ ክውስዱ ናብቲ ቀጽሪ ተመሊሶም፡ ኣብዚ እውን ኣይተጸገሙን፡ ኣይ ኩሉ ሰብ እንድዩ ኣብ ገገዝኡ ተሾጊጡ ዘሎ መን "መንኢኹም?" ክብሎም።

ብጠቅላላ ኸኣ 97 መካይን እዚ ትካል ሰሪቖም። እወ፡ 97 መኻይን።

ሩደንክላኡ ላዕለዋይ ሓላፊ ምክራይ መካይን ጁሲ እዩ "ብሓቂ እቲ ስርቂ ኣምዑትካ ዝበትኽ እዩ። ክንኣምን ኣይከኣልናን። ሰብ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንሓድሕዱ ኣብ ዝተሓላለየሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ገታር ስርቂ ክሓስቡ እዝግሄር ሂብዎም" ክብል እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ትካል ምክራይ መካይን ጁሲ መካይን እቲ ትካልን ኣብ መላእ ኒውዚላንድ ፍሉጣት እዮም። መካይን ጁሲ ንበጻሕቲ ዓዲ ካብን ናብን ኣብ ምብጽጻሕ እየን ዝነጥፋ፡ ሕብረን ውጹእ ቀጥልያ ስለዝኾነ ኸኣ ካብ ማዕዶ እየን ዝልለያ።

ነዘን መካይን ምስራቕ ከኣ፡ ዳርጋ ምስ ዕሽነት እዩ ዝቁጸር።

ብድሕሪኡ'ኸ እንታይ ሰዓበ?

ትካል ጁሲ መካይኖም ምስራቐን ብፖሊስ እዩ ተሓቢርዎም።

እቲ እዋን ቀዳመ ሰንበት መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያን፡ በዓል ኣንዛክን (ንስዉኣት ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ንምዝካር ዝብዓል) ስለዝነበረን፡ ካብቲ ትካል ዝወፈረ ኣይነበርን። መላእ ሃገር ኣብ ዕጽዋ ስለዝነበረ'ውን እቲ ትካል ሰብ ኣይነበሮን።

እንተኾነ ፖሊስ ኒውዚላንድ ኣብ ንቡር ስረሖም እዮም ነይሮም።

Jucy camper van

ምንጪ ስእሊ, jucy.com

መግለጺ ስእሊ, ትካል ምክራይ መካይን ጁሲ መካይን እቲ ትካልን ኣብ መላእ ኒውዚላንድ ፍሉጥ እዩ

ኢንፔክተር ፖሊስ ማት ስርሆጅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ሓደ ነገር ከምዘሎ ክንርዳእ ክኢልና፡ ምንቅስቓስ እዘን መካይን ጥርጣር ፈጢሩልና። እተን መካይን ናይ ጁሲ ምዃነን ብሕብረን ስለ ዘላለናየን ነቲ ትካል ተወኪስና እቲ ተግባር ናይ ስርቒ ምዃኑ ክንርዳእ ክኢልና፡ ብድሕሪ እዚ ኣብ ምድላየን ተዋፊርና"ይብል።

ማዕበላዊ ሓገዝ ነበርቲ

ኣብ ንቡር እዋን ዝፍጸም ተግባራት ስርቒ ሕማቕ እዩ፡ ህዝቢ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣብ ገዝኡ ኣብ ዝተዓጸወሉ እዋን ዝፍጸም ስርቂ ግን፡ መግለጺኡ ኪኖ ሕማቕ እዩ።

"ኣብ ምሉእ ናይ ስራሕ ዘመነይ ካብ ዘጋጠመኒ ስርቂ ናይ መካይን፡ እዚ እቲ ዝዓበየ እዩ፡ እቶም ፡ ሰብ ብዕጽዉ ነዚ ዝሓስቡ ሰባት የሕዝኑ" ይብል ኢንፔክተር ማት ስርሆጅ።

እቲ እዋን ስርቂ ዝተፈጸመሉ፡ ኣብ ኒውዚላንድ ተደንጊጉ ዘነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ደረጃ ኣርባዕተ እዩ ነይሩ (ብደረጅኡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይተኣወጅ ተሪር ኣዋጅ ዕጽዋ)።

ትካል ጁሲ እውን ከም ትካል፡ ሃገረ ኒውዚላንድ ኣብ መኸተ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዓወት ንክተመዝግብ፡ እጃሞም እዮም ዘበርክቱ ነይሮም።

ገለ ካብተን መካይኖም ኸኣ ኣብ ምብጽጻሕ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ይነጥፋ ነይረን

ምንጪ ስእሊ, Jucy

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብተን መካይኖም ኸኣ ኣብ ምብጽጻሕ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ይነጥፋ ነይረን

እተን ዓይኒ ምድርን መሕጸብን ዘለወን ዓበይቲ መካይን እቲ ትካል፡ መውሽቢ ዘይብሎም ሰባት፡ ከም መወሸቢ ንኽጥቀሙለን ንመንግስቲ ኣረኪቦመን እዮም።

መካይን እዚ ትካል ከም ዝተሰረቓ ብዜና ምስ ተሓበረ፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ኣብ ምትሕብባር እዩ ተዋፊሩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ምክራይ መካይን ጁሲ ሩደንክላኡ፡ "ብሓቂ ህዝቢ ኣብ ጎንና ምህላዉ ክንርዳእ ዝኸኣልናሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ" ይብል።

እቲ ትካል መካይኑ ከምዝተሰረቓ ዝሕብረሉ፡ ዓበይቲ መለጠፊ ናይ ምልክታ ብነጻ ክግልገለሉ ተዋሂብዎ። ህዝቢ እውን መካይን ብሕሱር ዝሸጡ ሰባት እንተርእዩን እንተሰሚዑን፡ ንፖሊስ ከምዝሕብር ተመጻቢዑ።

"ተራ ህዝብን ፖሊስን ልዑል እዩ ነይሩ?"

እቲ ናይ ምንቅስቃስ እገዳ ኣብ ኒውዚላንድ ክዘልቕ ምስ ጀመረ፡ ፖሊስ ሰርቕትን ዝተሰርቓ መካይንን ንምርካብ ዝገበሮ ተፍትሽ ከምዝቐለሉ እዩ ዝሕብር።

እተን መካይን በብሓደ ብፖሊስ እናተረኸባ፡ ናብ ትካል ጁሲ ክርከባ ጀሚረን፡ 85 ካብተን ዝተሰርቓ መካይን፡ ናብቲ ትካል ክምለሳ እንከለዋ፡ 25 ብቐጥታ ኣብቲ ስርቂ ዝተሳተፉ ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።ካብቶም ዝተኣሰሩ ገሊኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፍሉጣት ጉጅለ ሰረቕቲ ርክብ ዝነበሮም እዮም።

መስራቲ ትካል ምክራይ መኪና ጁሲ ቲም ኣልፐ፡ "ንትካልና ከዕኑ ዝኽእል ስርቂ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ብእወንታዊ ሸነኹ ክንጥምቶ እንተኽኢልና፡ ህዝብና ኣባና ዘለዎ ደገፍን፡ ፖሊስ ንዝበዝሓ መካይንና ንምምላስ ዘካየድዎ ትጉህ ስራሕን፡ ፍናንና ዘበርኽ እዩ" ይብል።

ሩደንክላኡ ብወገኑ፡ "ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ህዝብን ዘለና ኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ" ኢሉ።

ኢንስፔክተር ማት ስርሆጅ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅልኡ ዘለዎ እምነት ብምግላጽ፡ "85 ካብተን መካይን ረኺብናየን ኣለና፡ እተን ዝተረፋ 12 መካይን ዘይንረኽበሉ ምኽንያት እሞ እንታይ እዩ ክህሉ?" ኢሉ።

ኮሮና
ኮሮና