'ምሕረት የውርደልካ!' ዘይበሃሎ ሕማም

ኮቪድ-19 ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ፡ ንአህዛብን ሃገራትን ኣሸቁሪሩ ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ነገሩ ዝሓመመ ክትበጽሕ፡ ዝሞት ክትቀብር ዘይትኽእል ምዃኑ እዩ።

ቀደም ኣብ ባህልና ዝኾነ ይኹን ሰብ ሓሚሙ ዓራት ሒዙ ኣሎ እንተተባሂሉ፡ ቅድሚ ምፍናዉ ምሕላፉ፡ መቕርብ፡ ዓርኪ፡ ሓው፡ መሓዛ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ዘበለ ምሕረት የውርደልካ ክብል ይበጽሕ።

ዋላ እውን ተቐያይሞም እንተነይሮም፡ አሕዋትን ፈተውትን፡ ' እገለ ሓሚሙ ኣሎ፡ ንዓ ሕጂ ኪድ ተዓወት፡ ብጽሓዮ፡ ሓሚሙ እዩ ዘሎ/ ሓሚማ እያ ዘላ፡ ንዕርቂ ካብዛ እዋን እዚኣ ትበልጽ የላን። ኩሉ ግደፎ ኩሉ ሕደጎ ሕሉፍ ኣይትርአ' ተባሂሉ፡ ተማዒዱን ተገኒሑን፡ ናብ ሆስፒታልን ገዛን ከይዱ ይበጽሕ።

ሕማቕ ተረኺቡ እቲ ሰብ እንተዓሪፉ ከኣ፡ ካብ ርሑቅን ቀረባን፡ ገጽ ኣርሒቑ ዝነበረ መቕርብ ከይተረፈ መጺኡ ኣብ ሓመድ ድበ ይሳተፍ። ሽዑ እቲ መዋቲ ብህይወቱ እንከሎ ዘይተገብረ፡ ብጣዕሳን ኣስተንትኖን፡ 'ወይ ሓወየ ወይ ሓፍተይ፡ ወዲ እኖይ ጓል እኖይ" እናተባህለ ይልቀስ። እቲ ኩሉ ኣብ ቀብሪ ዝግበር መልቀስን ወዮን ከኣ ነባሪ ህይወት ንዘይብልና ደቂ ሰባት ብዝኽሪ ንምፍናው እዩ።

ኣብ እዋን ቀብሪ፡ ጽባሕ ንግሆ'ውን እታ ሞት ነቲ ቀባሪ ከም ዘይትተርፎ፡ ስለዚ ኣብዚኣ ዓለም ክሳብ ዘለና፡ ብዝተኻእለና መጠን ተፋቒርና፡ ተሳኒና፡ ተኸባቢርና ክንነብር፡ ምናልባት ብገለ ኣጋጣሚ እንተተባኣስናን እንተተቓራሓናን እውን፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ነብስና ተላዚብና፡ እቲ ዝበደለ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ እቲ ዝተበደለ ከኣ ምሕረት ሂቡ፡ ነዛ ዓለም ተኸባቢርና ንንበራ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ።

ይኹን እምበር ሕጂ፡ ኮቪድ -19፡ ነቲ ንዓመታት ምሳና ዝነበረ ባህሊ ልምድን ብዘደንቕ ፍጥነት ይቕይሮ ኣሎ። ሓደ ካብኡ እዚ ቫይረስ ንዝሓመሙ ክትበጽሕ ንዝሞቱ ክትቀብር ዘይከኣል ስለዝገበሮ እዩ። ንኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ምሕደራ ሲቪል ኣቭየሺን ኢትዮጵያ ዝሰርሑ፡ ካብ 1977 ኣትሒዞም ከኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ለንደን ዝቕመጡ ዘለው፡ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ዝርከቡ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኮማዊ ጉዳያት፡ ኣብ መርዓን ቀብርን፡ ኣብ ሓዘንን ሓጎስን፡ ኣብ ዕርቅን ሽምግልናን ዝነጥፉ፡ ክቡርን ሕፉርን በዓል ዕድመ ጸጋ ኣቶ ኢሳቕ ያቆብ፡- " ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም ከቢድ እዋን ንዘሕልፉ ዘለው ሓዘንተኛታት ኮቪድ አሕዋት፡ እግዚኣብሄር ጽንዓትን ኣኻእሎን ክህቦም ይምነ" ብምባል፡ እዚ ንዘበናት ክዝውተር ዝጸንሐ፡ ክሳብ 40 መዓልቲ መዋቲ፡ ንስድራ-ቤት ዘጸናንዕ ዝነበረ ባህሊ ብምትዕንቓፉ ኣዝዮም ከምዝጉህዩ ገሊጾም።

ወይዘሮ ሂወት ወልደርፉኤል እውን፡ " እዚ ዝወርደና ዘሎ ከቢድ እዩ። ፈጣሪ ስለዘምጸኦ ከኣ ፈጣሪ ይቐንጥጠልና። እዚ ሕማም'ዚ፡ ናብ ፈጣሪና ክንመለስ፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ካብ ባእስን ህውከትን ርሒቕና፡ ብፍቕሪ ክንነባበር'ዩ ዝዕድመና ዘሎ" ብማለት ደቂ ሰባት ነዛ ሓጻር ዕድመና ብስኒት ክንሓልፋ ብምምሕጻን ንመወትቲ መንግስተ ሰማይ ንሕሙማን ከኣ ምሕረትን ድሕነትን ተመንያ።

ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰ ገዲም ተጋዳላይ ዓብዱ ዓብደላ እውን" ኣብ ነበርቲ ለንደን ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ሕማምን ብልቢ ከምዝስመዖ ብምግላጽ፡ " ኩነታት ኣፍቂዱ ንኹሎም መወትቲ ብሓባር እንዝክረሉን ንስድራ-ቤታቶም እነጸናንዓሉ ዕድላት ክሳብ ዝመጽእ፡ ብሞያውያን ሕክምና ንዝወሃበና ምኽርን ሓበሬታን ክንጥቀመሉ ይግባእ" ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ሓደ ቦታ እናነበርካ፡ ብኮቪድ-19 ንዝሓመመ ሰብ ሞቱን ድሕነቱን ኣብ ፈይስቡክ ኢዩ ዝስማዕ ዘሎ። እቲ ኩነታት ከምኡ ኮይኑ ገይሩዎ ኣሎ። እቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ግን፡ እዚ ሕማም'ዚ፡ ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተስፋሕፍሓሉ እዋን ምግጣሙ እዩ። እቲ ጽምዋን ምጽንናዕን ከኣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ንቡር እንተዝኸውን ግን፡ ሰባት ዓዓቕሞም ሒዞም ኣብ ቤት መዋቲ በጺሖም፡ ንሕዙናት ከጸናንዑ፡ መዋቲ ኣብ ዕድመኡ ዝገበሮ ነገራት እናዘከሩ፡ ' ኣየ እወ፡ ሓደ እዋን ከምዚ እንተገበረ: …. ከምዚ እንተተፈጥረ፡ ናብዚ ምስገሽና ካብ መገሻና ክንምለስ እንከለና እናተባህለ ክዕለልን ክዝንቶን እንከሎ ስድራ መዋቲ ይጸናንዑ' ግን ኮቪድ ካብቲ ንቡር ባህሊ ፈልዩና ኣሎ።

" እዚ ሕማም ንግዚኡ፡ እቲ ኣዚና እንሕበነሉ ባህላዊ ክብርታትና እኳ እንተነፈገና ንኹሎም አሕዋት ብተሌፎን እናደወልና ደሃዮም ክንፈልጥ ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ሰብ ከይፈለጠ ኣብ ቤቶም ሞይቶም ዝጸንሑ አሕዋት ከምዘለው ሓቢሮም። ወይዘሮ ሂወት እውን " " እዚ ወሪዱና ዘሎ ዝሓመመ ክትበጽሓሉ ዝሓዘነ ከተጸናንዓሉ ዘይትኽእል ብምዃኑ ከቢድ ቃንዛ ይስመዓኒ" ብምባል ደሃይ ሓድሕድ ክንፋለጥ ጸዊዐን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ለንደን፡ ክሳብ ሕጂ ዋላኳ ብጭቡጥ ኣሃዝን ቁጽርን ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ሞይቶም እንተዘይተባህለ ሓያሎ ሰባት ተጎዲኦም ከምዝኾኑ እዩ ዝዝረብ ዘሎ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኩሎም እቶም ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዝተዛረቡ ነበርቲ እታ ከተማ ንሕሙማት ድሕነት ንስድራ ቤት መወትትቲ ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ተመንዮም።