ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሽሕ ጎደና ተመሓደርቲ ናብ ሓደ መጽለሊ ኣትዮም

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 3000 ግዳም ሓደርቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ኣትዮም ሓገዝ ክረኽቡ ይግበር ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባን ከተማ ሃዋሳን ዝተኣከቡ ጎደና ተመሓደርቲ (ግዳም ሓደርቲ) ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ኤልሻዳይ ማእኸል መጽለሊ እዮም ኣትዮም ዘለዉ።

ነቶም ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዝተሳጥሑ ወገናት ብምሕጋዝ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ስራሕ ዘበገሰ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴሎፕመንት ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ መጽለሊ፡ ምግቢ፣ ክዳን ሕክምናን ክረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ከምኡ ድማ፡ ህይወቶም ናብ ዝሐሸ መንገዲ ክመርሕሉ ዝሕግዞም ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ከምዝወሃቦም፡ ሓላፊ ርክባት ሚድያ እቲ ገባሪ ሰናይ ኣይተ ገብረገርግስ ንጉሰ ሓቢሩ።

ቢሮ ጉዳያት ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፡ ከተማ ኣዲስ አባባ፣ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ከምኡ'ውን ሚኒስትር ጉዳያት መናእሰይን ህጻናትን ነቲ ወፍሪ ዝደገፉ መዳርግቲ ኣካላት ምዃኖም ኣይተ ገብረገርግስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣብ ተመሳሳሊ ህይወት ዘለዉ ወገናት ናብቲ መጽለሊ ንክኣትዉ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ሚድያ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ፡ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ግዳም ሓደርቲ ከምዘለዉ ይዝረብ።