እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓሙሽተ ኣግማሉ ካብ ባርዕ ሓዊ ድሒኑ
ሓደ ውልቀሰብ፣ ምስ ከልቡን ሓሙሽተ ኣግማሉን ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ከምዝድሓኑ ፖሊስ ገሊፁ።
ኣብ ቪክቶርያ ጥቓ ከተማ ጃሚሰን ኣብ ሓደ መኪና ዝነበረ ወዲ 38 ዓመት፡ ምስኡ ካብ ዝነበሩ እንስሳት እታ ሓንቲ ግመል ሸተት ኢልዎ።
ብድሕሪኡ ነቲ ውልቀሰብ ሓዊሱ ብሓደ ተኣሲሮም ዝነበሩ እንስሳት፡ ተጎቲቶም ክወፅኡ ከምዝተገበረ ሰብመዚ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ዋላኡካ ዝተጎድአ እንተዘይሃለወ፡ ህይወት እቶም እንስሳትን እቲ ውልቀሰብን ንምድሓን ኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ከምዝወሰደ ተገሊፁ።
ኮማንደርን ምቁፅፃር ባርዕ ሓዊ ፖል ሆርቶን፡ " እቲ ሰብኣይ ምስ ኣግማሉ ድሒኑ ኣሎ። ሓንቲ ግመል ብምውዳቓ፡ ኩሎም ተጎቲቶም ናብቲ ባርዕ ንክኣትዉ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 15:00 ፡ ነቲ ከባቢ ጋሻ ዝኾነ ብምድዋሉ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክፈልጥ ከምዝኸኣለ ድማ ገሊፁ።
ብድሕሪኡ ናብ ፖሊስ ቪክቶርያ ዝበፅሐ መልእኽቲ፡ ናብ ሰብመዚ ርእሰ ከተማ ኣውስትራልያ ካንበራ ስለዝተመሓላለፈ፡ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ንምምርማር ሄሊኮፕተር ልኢኹ፡ ኢሉ ሆርቶን።
ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ ነተን እንስሳት ናብ መኪና ንምድያብ መንጠልጥሎ ኣዳልዮም ኡካ እንተነበሩ፡ ግና ብዝመፅእኦ ብምሕዃር ናብ መፃምድተን ክፅንበራ ከምዝኽኣላ፡ ሆርቶን ሓቢሩ።
"ኣብ ዝሓለፈ ምሸት፡ ኩሎም ናብ ውሑስ ቦታ ተመሊሶም እዮም። ብሰላም ስለዝወዳእና ድማ ሕጉሳት ኢና" ኢሉ።
ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ መልበርን 200 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ ገጠራዊት ከተማ ጃሚሰን፡ ናይ ሕርሻ ቦታ እያ።
ኣብቲ ክልል ኣግማል ልሙዳት እንስሳት ዋላ እኳ እንተዘይኮና፡ ሓደ ሓደ ሓረስቶት ግና፡ ንፃባን ምህርትታት ኣጅቦ (ቺዝ) ይጥቀሙለን እዮም።