እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደራሲ ጋዜጠኛን መምህርን ኣማረ ወልስላሴ ዓሪፎም
ደራሲ ጋዜጤኛን ተርጓምን መምህር ኣማረ ወልደስላሴ ብሕማም ዂሊት ንነዊሕ እዋን 'ድያሊሲስ' እናገበሩ ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዓርቢ ዓሪፎም።
መምህር ኣማረ ኣብ ጋዜጣ ሓዳሰ ኤርትራ 2001 ጀሚሮም 'ትግርኛን ተዛረብታን' እትብል ዓምዲ ከዳልውን ንትግርኛ ዝጠቅም ክልሰሓሳባት ከማዕብሉ ምጽንሖምን፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ነይሮም።
'ትግርኛ ፍጹም ግጥማዊ ቋንቋ እዩ' ዝብሉ መምህር ኣማረ ጽሕፍቶን መሳግሮን ዝብላ ክልተ ናይ ግጥሚ መጻሕፍትን ክልተ ድራማታት ኣብ ሓንቲ ዝጠርነፈት መጽሓፍን ብሓፈሻ ሰለስተ መጻሕፍቲ ንንባብ ኣብቂዕም እዮም።
መምህር ኣማረ፡ ስንብታ እትብል ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ኣብ ምዝዛም በጺሖም ምንባሮም ገሊጾም ነይሮም።
ብዘይክኣ ብርክት ዝበለ መጻሕፍቲ ኣብ መስመር ምህላው'ውን ሓቢሮም ነይሮም።
መምህር ኣማረ ብፍላይ በቲ 'እምነ ኩርናዕ ትግርኛ' ዝብል፡ ግእዝ ከም ናይ እንግሊዝኛ ብዓበይትን ንኣሽቱን ፊደላት ክጽሓፍ ከም ዝኽእል ዝምጉት ክልሰሓሳብ ይፍለጡ።
ፊደላት ግእዝ ነዚ ብልጫ ዘልዎ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ዝገልጹ መም ኣማረ፡ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ንግጥምን ንስም ዝርዝር ዝኣመሰለ ጽሑፋት ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ይብሉ።
ብሶፍትዌር ተዳልዩ ተዘርጊሑ ምህላው'ውን ሓቢሮም'ዮም።
መምህር ኣማረ ክልተ ኩሊቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ናብ ሆስፒታል ብምምልላስ ህክምና ዳያሊሲስ እናገበሩ እዮም ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ጸኒሖም።
እዚ ሕክምና ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ መሳርሕቶም ዝነበሩ ሰባት ንምሕጋዞም ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ተገሊጹ እዩ።
መምህር ኣማረ ክልተ ሰባት ኩሊት ክልግሱሎም ፍቓደኛ እኳ እንተነበሩ ብሓልዮት ክቕበሉ ኣይመረጹን። ስነስርዓት መምህር ኣማረ ወልደስላሴ ትማሊ ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ መቃብር ሓዝሓዝ ተፈጺሙ።