ጀርመን መስርሕ ፍርዲ ክልተ ሶርያውያን ክትርኢ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀርመን፡ ጉዳይ ክልተ ኣብ ሶርያ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሞም ዝበለቶም ሰባት፡ መስርሕ ፍርዶም ክትርእይ ጀሚሩ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ዓለምለኻዊ መጋባኣያ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ 'ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት' ብቤትፍርዲ ክርኣይ ናይ መጀመርታ ፈጻመ'ዩ።
እዚም መስርሕ ፍርዶም ኣብ ጀርመን ዝርኣይ ዘሎ ሶርያዋያን፡ ኣንዋር ኤን ኢያድ ኤን ዝብሃሉ ኮይኖም፡ ኣብ መንግስቲ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ኣብ መሓውር ስለያ ብደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም።
እዞም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ሶርያ ኲናት ሓድሕድ ምስ በርትዐ ካብታ ሃገር ሃዲሞም ብምውጻእ፡ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓቶቶም ክነብሩ ድሕሪ ምጽነሖም'ዮም ኣብ 2019 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ጠበቃታት እዞም ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ እዞም ክሱሳት እኳ ንጋዜጤኛታት መብርሂ ክህቡ ፍቃደኛታት እንተዘይኮኑ፡ መንግስቲ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ግን መንግስቱ ሰብኣዊ ግህሰት ከምዘይፈጸመን ከምዘይፍጽምን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።
እንተኾነ፡ ጸብጻብ ናይ 2018 ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ሶርያ ዓሰርተታት ኣሽሓት ንጹሃት ዜጋታት ኣሲሩ ከምዘሎን፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ስቃይ ከምዘውርደሎምን ይጠቅስ።
ሰብ መዚ ጀርመን ሓባራዊ ሕጋዊ ስልጣን ተጠቒሞም፡ ንብዙሓት ሰብ መዚ ሶራያ ነበር ይምርምሮዎም ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ።
ሓባራዊ ሕጋዊ ስልጣን፡ ገብን ኲናት፡ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ህልቂት ንዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ስልጣን ዝህብ ዓለምለኻዊ ሕጊ'ዩ።
ማሕበር ፈራዶ ጀርመን፡ ካብ ናይ ሶርያ ወጻኢ፡ ኣብ ኢራቕ፡ ሊብያ፡ ኣፍጋኒስታን ማሊን ካልኦት ሃገራትን ንዝተፈጸሙ ተመሳሳሊ ገበናት'ውን ይምርምሩ ከምዘለዉ ይሕብሩ።
ኣቦ ወንበር ማሕበር ፈራዶ ጀርመን ስቨም ሪበን ንማዕከን ዜና ዲፒኤ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ውን "ጀርመን ገበናት ኲናት ናይ ዝፈጸሙ ሰባት ጽላል ኣይኮነትን" ኢሉ።እዞም ክልተ ሶርያውያን ብምንታይ እዮም ዝኽሰሱ ዘለዉ?
እዞም ክልተ ሶርያውያን፡ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝነበሩሉ GID ኣብ ዝብሃል ዝሓየለ ስለያዊ መሓውር እቲ መንግስቲ'ዮም ዝሰርሑ ነይቶም።
ኣብቲ ኣብ መጋቢት 2011 ኣንጻር ባሻር ኣል ኣሳድ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዓቀኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ኢሰብኣዊ ግህሰታት ካብ ዝፈጸሙ ተባሂሎም እዮም ተመዝጊቦም ዘለዉ።
ኣንዋር ኣር ወዲ 57 ዓመት ኮይኑ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ደማስቆስ ዝርከብ ኣል ካቲብ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ምንባሩ እዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ዝጠቅሱ።
ኢያድ ኤ'ውን ወዲ 43 ዓመት ኮይኒ መሳርሕቲ ኣንዋር ኣር ኮይኑ ልዕሊ 30 ክስታት ቀሪብሉ ምህላዉ ተገሊጹ።
ከም ምስክር ክቀርብ ዝኽእል ኸኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣሳእል ካብ ሴዛር ዝብሃል ወተሃደር ነይሩ ኣብ 2013 ካብ ሶርያ ሃዲሙ ዝወጽአ ከምዝተረኸብ ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ይጠቅሱ።
ኣንዋር ኣርን ኢያስ ኤን ብቅደም ተኸተል ኣብ 2014 ከማኡ'ውን ኣብ 2018 እዮም ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓቲቶም።
በዚ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ኣንዋር ንሕልፈት፡ ኢያድ ከእ ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም እዩ ዝግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







