ቱርኪ ኵናት ደው ንኸተብል ብኣመሪካ ንዝቐረበላ እማመ ነጺጋቶ

ወተሃደራት ቱርኪ ሚሳይላት ናብ ሶርያ ገጾም እናተኾሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣንጻር ኩርዳውያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንኸብሎ ካብ ኣሜሪካ ንዝቐረበሉ ጻውጺት ነጺግዎ።

ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፕንስን ከምኡ'ውን ጻሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ ኣብ መንጎ ቱርክን ሓይልታት ኩርድን ናይ ሰላም ስምምዕ ክዝትዩ ናብ ቱርኪ ክኸዱ እናተዳለው እዩ።

ትማሊ ሰሉስ፡ ሩስያ ኣብ መንጎ ወደሃደራት ሶርያን ቱርከን ኩናት ንኽውላዕ ከም ዘይተፍቕድ ኣፍሊጣ'።

ሩስያ ነዚ ዝገለጸት፡ ሓይልታት ኩርድ፡ ንሰራዊት ቱርኪ ንምዕጋት ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሶርያ ተሓባቢሮም ንክቃለሱ ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሑ እዩ።

ቱርኪ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ፡ ዕላማኡ ነቶም ከም ኣሸበርቲ እትቘጽሮም ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ካብ ከባቢ ዶባታ ንምርሓቕ ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ነዞም ኩርዳውያን ሓይልታት ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ ትብል።

እቲ ውግእ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ኣመሪካ ነቶም ኣብቲ ዞባ ዓሪዶም ዝነበሩ ወተሃደራታ ብሃንደበት ከተውጽኦም ድሕሪ ምውሳና እዩ።

እንተኾነ ግና፡ ኣሜሪካ ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ውግእ ዓሰርተታት ሳባት ክሙቱ እንከው፡ ኣስታት 160 ሽሕ ድማ ሰባት ካብቲ ከባቢ ከም ዝሃደሙ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን እንታይ ኢሉ?

"ንሶም ኩናት ኣቋርጹ ይብሉና። ንሕና ግን ኩናት ኣይነቋርጽን ኢና" ክብል ንጋዜጠኛት ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ጣይፕ ኤርዶጋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

"ነዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ደው ንኽነብል ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው። እገዳ ኣዊጆም። ዕላማና ግና ንጹር እዩ። ካብ እገዳ'ውን ኣይንፈርሕን ኢና" ክብል እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ንምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፕንስን ከምኡ'ውን ንጻሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ ኣብ ኣንካራ ጽባሕ ሓሙስ ክረኸቦም ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሚኒስትሪታትን ቱርክን ካልኦት ሰለስተ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን እገዳ ኣንቢራ'ላ።