ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ትግራይ 23 ሽሕ ሰባት ዝተዋፈሩሉ ዳህሳስ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Mengish
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብተወሳኺ ኩነታት እቲ ቫይረስ ንምፍላጥን ግንዛበ ንምፍጣርን ዓሊሙ፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምውፋር፡ ካብ 4 ሚያዝያ ጀሚሩ ዳህሳስ ከምዘካይድ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊጹ ነይሩ፡፡
ንምዃኑ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዳህሳስ እንታይ እዩ?
ኣቶ መንግሽ ባህረስላሰ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ፡ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕ እዩ፡፡
ንሶም እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዳህሳስ "መላእ ማሕበረሰብን ኣመራርሓ መንግስትን ዘሎ ብምውዳድ ኣብ ማሕበረሰብ ክምጸኦ ዝኽእል ሳዕቤናት ጥዕና ሓዊሱ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ማሕበረ ቑጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ቅድሚ ምስዓቡ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ንክህሉ ዓሊሙ እዩ ዝስራሕ ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ኣብቲ ወፍሪ ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ብተወሳኺ፡ መምህራን ፥ ሰብ ሞያ ሕርሻ፥ ኣመራርሓ ጣብያን ምሁራትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝገልጽ ኣቶ መንግሽ ግንዛበ ምፍጣር እቲ ፈላማይ ዕላማ ምዃኑ ይዛረብ፡፡
"ሓለዋ ጽሬት ኢድ ከመይ ጌርካ ይስራሕ፣ ተፈናቲትካ ከመይ ባዕልኻን ስድራኻን ክሕሎ ከምዝከኣል፥ ምልክት ሕማም ዘለዎም ተጠርጠርቲ ከመይ ገይሮም ይፈልዩዎም? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሙህሮ ይህቡ" ይብል፡፡
ብተወሳኺ እቶም ሰብ ሞያ ምልክታት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት እንትርከቡ፡ ምርመራታት ከካይድ ናብ ዝተጣየሸ ኮሚተ ሓበሬታ ከምዝህቡን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ናሙና ክወሰደሉ ከምዝገብሩን ኣቶ መንግሽ ይገልጽ።
ብተወሳኺ እቶም ዝዋፈሩ ሰብ ሞያ "ከመይ ገይሮም ነቲ ስራሕ ክሰርሕዎ ይኽእሉ ዝብል ስልጠና ተዋሂቡ እዩ" ዝብል ኣቶ መንግሽ ንባዕሎም በቲ ሕማም ከይቃልዑን ናብ ካሊእ ሰብ ከየመሓልፉን ስልጠና ከምዝወሰዱን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዝተዓደሎምን ንቢቢሲ ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







