እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 3,000 በጺሑ
ቻይና 42 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞትዋ ክትገልጽ ከላ፡ ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 3000 በጺሑ።
ልዕሊ 90% ናይቶም ግዳያት፡ ኣብታ እቲ ሕማም ፈለማ ዝተራእየላ ግዝኣት ሁበይ ቻይና እዮም።
እንተኾነ ግን ኣብ ኢራን 50 ኣብ ኢጣልያ ድማ 30 ሰባት ዝርከብዎም ኣብ 10 ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።
ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም ከባቢ 90,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፤ እዚ ቁጽሪ ብፍላይ ካብ ቻይና ወጻኢ ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ።
ዝበዝሑ እቶም ሕሙማት ግና ቀሊል ምልክታት ከም ዘርኣዩን፡ መጠን ሞት ካብ 2% ክሳብ 5% ከም ዝበጽሕን ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንበት ገሊጹ።
ብምንጽጻር፡ እቲ ኣብ ዝተወሰነ ወርሓት ዝርአ ኢንፍሉወንዛ፡ ዘብጽሖ መጠን ሞት ዋላኳ 0.1% እንተኾነ፤ ዝያዳ ተመሓላላፊ ብምዃኑ ግን ዓመታዊ ክሳብ 400,000 ዝበጽሑ ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ከም ሳርስን መርስን ኣብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ንኮሮናቫይረስ ዝመስሉ ሕማማት፡ መጠን ሞት ካብ ኮቪድ-19 ዝዛየደ እዩ።
ዝርግሐ እቲ ሕማም እንታይ ይመስል?
ኣብዚ እዋን ለበዳ እቲ ሕማም ኣብ ቻይና እናጎደለ ክኸይድ ከሎ፤ ኣብ ካልእ ዓለም ግና ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ።
ኣብ ኣውሮጳ ቀንዲ ማእከል እቲ ሕማም ኮይና ኣብ ዘላ ኢጣልያ፡ ቁጽሪ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋታት ብሰንበት ገሊጹ።
ኣብ ኢጣልያ፡ እንተወሓደ 34 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ 1,694 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ትካል ዕዳጋ ኢንተርነት ኣማዞን ኣብ ኢጣልያ ክልተ ሰራሕተኛታቱ በቲ ሕማም ተታሒዞም ተወሺቦም ምህላዎም ገሊጹ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ 36 ሰባት በቲ ቫይረስ ብምልካፎም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ንሰኑይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።
እታ ካብ ቻይና ወጻኢ ብብዝሒ ሕሙማት ናይቲ ኮቪድ-19 ተስምዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ዝርከቡላ ደቡብ ኮርያ፡ ቁጽሪ ሕሙማት ብ472 ብምውሳኽ ናብ 4,212 ደዪቡ ኣሎ። ዛጊት፡ ኣብታ ሃገር 26 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።