ኮሮናቫይረስ፡ ደቡብ ኮርያ ዝለዓለ መዓልታዊ ረኽሲ ኮቪድ-19 መዝጊባ

ደቡብ ኮርያ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣስታት 594 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዝመዝገበት ኣረጋጊጻ። እቲ ቁጽሪ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገበ መጠን እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ትማሊ ዝተመዝገበ በዝሒ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሕሙማት 2,931 ኣብጺሕዎ'ሎ።

ዛጊድ ድማ 16 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።

ደቡብ ኮርያ ካብ ቻይና ቀጺላ ብዙሕ ረኽሲ እቲ ብስም ኮቪድ-19 ዝጽዋዕ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተኸሰተላ ሃገር እያ።

ናይ መጀመርያ ረኽሲ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ዴጉ እትበሃል ከተማ ኣብ ኣመንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ከምዝተርኣየን ኣብቲ ከባቢ ከምዝተላብዐን እዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገልጽ።

ኣብ ኣመሪካ ከባቢታት ካሊፎርንያን ኦረጎንን ድማ መበገሲኦም ዘይተፈለጡ ረኽሲታት እቲ ቫይረስ ከምዝተርኣዩ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ሕማም ኣብ ክልተ ሰባት ከምዝተራእየን፡ እቶም ሰባት ምስ ዝተለኽፉ ርክብ ከምዘይነበሮም እዩ ተገሊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ናይ ትማሊ ጽብጻቡ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 59 በጺሑ ኣሎ።

እቲ ውድብ ስግኣት እቲ ቫይረስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ልዕሊ 50 ሃገራት ተራእዩ ዘሎ ኮቪድ-19፡ ዛጊድ ኣብ ሙሉእ ዓለም 83,650 ረኽሲታት ተመዝጊቦም ኣለዉ።