ኮሮናቫይረስ፡ መድሃኒት ይርከቦ'ዶ ይኸውን?

ኮሮናቫይረስ ንዓለም ኣሻቒሉዋ ኣሎ። ህላዌን ዝርገሐን እዚ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ተቓሊሑ ኣሎ። ኣብ ካሊፎርንያ ሓንቲ ኣደ ከምዝተታሕዘት ተሓቢሩ ጸኒሑ።

ሎሚ ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ስተይት ሓደ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ በቲ ሕማም ከምዝሞተ ኣረጋጊጻ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዝኸፍአ ኩነታት ተዳልያ ምህላዋ ሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን ካብ ኢራን ጥልያንን ደቡብ ኮርያን ካብ ዝግበር በረራታት ክገትኡ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክልተ ካብ ኢጣልያን ሓደ ካብ ኤሽያን ገይሾም ዝተመልሱ ሰለስተ ሰባት ምሕማሞም ተረጋጊጹ።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ እታ ኣብ ካሊፎርንያ ምሕማማ ዝተረጋገጸ ኣደን እቲ ኣብ ዋሺንግተን ዝሞተ ኣቦን እቲ ሕማም ተራእይሉ ናብ ዝተባህለ ቦታታት ዘይገሹን ገይሾም ምስ ዝተመልሱን ምንም ርክብ ዘይነበሮም ምዃኑን እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ 57 ሃገራት ዓለም ልዕሊ 85 ሽሕ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቦም። ካብኣቶም ኣስታት 3ሽሕ ሰባት ሞይቶም። ዝበዝሑ ከኣ ኣብቲ እቲ ሕማም ዝተኸስተሉ ቻይና ምዃኑ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ።

እቲ ሕጂ ዓቢ ትጽቢትን ቆላሕታን ዝግበረሉ ዘሎ ጉዳይ ግን መድሃኒትን ክታበትን እዩ። ክታበት ንምርካብ እንታይ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ?

እቶም መድሃኒት ዘቃምሙ ሳይንቲስት ማዕረ ክንደይ ሰጒሞም ኣለው? ዝብል እዩ።

ንገለ ካብቲ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝሕተት ሕቶታትን መድሃኒት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን ክንምልስ ፈቲንና ኣሎና።

እቲ ክታበት ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?

ክታበት ከም መማህር እዩ። ተማሃሩኡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ክፍሊ ኣካትና (ኢሚዩኒ ስይስተም) እዩ። እቲ ትምህርቲ ከኣ ንረኽሲ ብኸመይ ትከላኸል እዩ።

ክታበት፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ክፍሊ ኣካትና ብዘይጋዳእ ወይ ድኹም ቫይረስን ቫክተርያን ምክልኻል ሕማምን ረኽስን ምዕላም ማለት እዩ።

ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ክፍሊ ኣካላትና ነቲ ዝተወግኦ ቫክተርያ ወይ ቫይረስ ከም ተጻባኢ ወይ ወራሪ ምዃኑ ፈሊጡ ክከላኸሎ ይፍትን። ሽዑ ሰብነትና ናይ ብሓቂ ሕምማ እውን እንተጋጠሞ ተጻባኢ ምዃኑ ፈሊጡ ይዋግኦን ይከላኸሎን።

ክንደይ ዓይነት ዝተፈላለዩ ክታበት ኣለው?

ንዓሰርተ ዓመታት በቲ መበቆላዊ ቫይረስ እዩ ክታበት ክስራሕ ጸኒሑ። ንፍዮ፡ ጽግዕ (ተላጋቢ ሕማም ክሳድ) ከምኡ እውን ካልኦት ክታበት፡ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ክፍሊ ኣካትና ዝደኸመን ሕማም ከኸትል ዘይኽእልን ክፋል እቲ ቫይረስ ወሲድካ ብምልምማድን ብምዕላምን እዩ ክካየድ ጸኒሑ። እቲ ወቕታዊ ሕማም ኢንፍሉዌንዛ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ክታበት ዝዳለወሉ።

ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ኮነ መደሃኒት ምድላው ግን ሓዲሽ ስለዝኾነ ዝያዳ ፈተነን ምርምርን የድልዮ። እዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ኮቪድ-19 ዓሌት ቫይረስ፡ ምስቲ ኣብ 2002 ተራእዩ ዝነበረ ሳርስ ኮቭ-2 ዝባሃል ዓይነት ቫይረስ ዝመሳሰል እኳ ይኹን እምበር ገና ናይ ገዛእ ርእሱ ክታበትን መድሃኒትን እዩ ክዳለወሉ።

ሓደ ሓደ ሳይንቲስት ካብቲ ናይ ኮሮናቫይረስ ጄኔቲካዊ ኮድ ቆንጢሮም ምስ ካልእ ምንም ጉድኣት ከምጽኡ ዘይክእሉ ቫይረስ ጸንቢሮም ንሰብ ከም ክታበት ሂብካ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ ክግበር ይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።

ካልኦት ከኣ ብቐጥታ ካብቲ ናይ ቫይረስ ዲኤንኤ ቆንጢርካ ወሲድካ ከም ክታበት ብምሃብ ሰብነት ወዲ ሰብ ነቲ ቫይረስ ከም ጸላኢ ኣልልዩ ከምዝዋገኦ ምግባር ይከኣል እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።

ክሳብ ሕጀ'ኽ እንታይ ዝተበጽሐ ምዕባለ ኣሎ?

እቶም ተመራመርቲ ድሮ ክታበት ኣማዕቢሎም ኣብ እንስሳታት ይፍትንዎ ኣለው። ላባራቶሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት የማዕብሉ ኣለው።

እዚ ጽቡቕ ብስራት እዩ - ክሳብ እቲ ክታበት ብግብሪ ኣብ ሰባት ዝውዕል ግን፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣድላይ ዝበሃል መባእታዊ ጥንቃቐን ጽሬትን ክዝውተር ይመኽሩ።

እቲ መድሃኒት መዓስ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይኽእል?

ዋላ እውን እቶም ተመራመርቲ ነቲ ሕማም ዝፍውስ ክታበት ኣዳልዮም ኣብ እንስሳታት ይፍትኑዎ እንተለው፡ ዳሕራይ ኣብ ሰብ ተፈቲኑ ብቕዓቱ ተረጋጊጹ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን እኹል መድሃኒትን ክታበትን ክሳብ ዝፈሪ ልዕሊ ዓመት ከድሊ ከምዝኽእል ይገልጹ።

ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ዓይነት ብከም ሰዓል ዝመሓላለፍ ኮሮና ቫይረስ እዩ ተረኺቡ ዘሎ። ኣብ ኢድ ሓካይም ንሓደ ካብዚኦም ዝኸውን ክታበት ኣይተዳለወን።

ስለዚ ኩሉ ነገር ቀሊል ክኸውን ከምዘይክእል ምዝካርን ዝግባእ ጥንቃቐን ምክልኻልን ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ሕማም ኣብ ኣረጋውያን ከመይ እዩ?

ኩሉ ሳዕ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ሕማም ናይ ምጽዋርን ምክልኻልን ዓቕሞም ድሩት ስለዝኾነ በዚ ሕማም እዚ ብዝያዳ ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም።

ካልእ ይትረፍ እቲ ተራ ሰዓል እውን ስለዘጥቅዖም መከላኸሊ ክታበት ዝወሃቡ ብኡ ምኽንያት እዩ።

እቲ ክታበት ኮነ መድሃኒት ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ድዩ?

ኩሉ ሳዕ ዝኾነ ይኹን መድሃኒት እዛ ፈውሲ ርእሲ ከኒና፡ ፓራሲታሞል፡ ኣስፕሮ ወይ ፓናዶል ኩሉ ዓይነቱን ደረጅኡን ደኣ ይፈላለ እምበር ሳዕቤን ዘይብሉ የሎን።

ስለዝኾነ ክታበት ኮሮናቫይረስ እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ሳዕቤኑን ዓቐኑን ግን እቲ መድሃኒት ተፈቲኑ ምስተራእየ ጥራሕ እዩ ክንገር ዝኽእል።

ክሳዕ ዝኣክል ክታበትን መድሃኒትን ፈርዩ ኣብ ዕዳጋን ኣገልግሎትን ዝውዕል'ከ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ከም ልሙድ መባእታውን መሰረታውን ጽሬትን ምክያድ ሓደ ካብቲ ቐንድን ኣገዳስን እዩ። እንተደኣ ሓሚምካ ንብዙሕ ሰብ ፈኲስ ሕማም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ግን ኣብ ሆስፒታላት ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝወሃብ ናይ ፈተነ መድሃኒት ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን እቲ ዓይነት መድሃኒት እንታይ እዩ ንዝብል ክትዛረበሉ ኣይከኣልን እዩ።

ዋላ እውን ሰዓል ምስእትሓምም ክሳብ ትሓውን ትጸርን ነብስኻ ምውሻብን ምክልኻልን እውን እቲ ካልኣይ ኣገዳሲ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኣገባብ እዩ።