ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ድሉዋት ድየን?

ኣፍሪቃ ካብተን ኮሮናቫይረስ ዘይተርኣየለን ክልተ ኣህጉራት ሓንቲ ከምዝኾነት ሰብሞያ ይገልጹ፤ እንተኾነ ብሰንኪ ምስ ቻይና ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ኣህጉር ክረአ ከምዝኽእል የጠንቅቑ።

እቲ ዝበዝሐ ብከላን ሞትን ኣብ ቻይና ኮይኑ፡ ዛጊድ ልዕሊ 636 ሰባት እንትሞቱ፡ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ኣብ ትሑት ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ከብጸሖ ዝኽእል ሃስያ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኩነት ጥዕና ኣዊጁ እዩ።

ስርዓት ሓለዋ ጥዕና መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ በቲ ዘሎ ጻዕቒ ስራሕ ሰንከልከል ኣብ ዝብለሉ እዋን፡ እተን ሃገራት ንካሊእ ሓደገኛን ተላባዕን ሕማም ምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ኣለወንዶ?

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓላፊ ሕጹጽ ኩነት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ሚካኤል ያኦ፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ "ንመጀመሪ ዝኸውን ቁሩብ ዓቕሚ ኣለወን" ብምባል ኩለን ካብ ዜሮ ዝጅምራ ከምዘይኮና ይገልጽ።

"ስርዓት ሓለዋ ጥዕና እታ ኣህጉር ዘይደልደለን፡ በቕጻልነት ይኽሰቱ ብዘለዉ ለበዳታት ዝተጨነቐን ስለዝኾነ፡ ብኣጋ ንምፍላጥን ከይላባዕ ንምክልኻልን ክንሰርሕ ኣለና፡ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ዘኽእል መሳርሒታት ኣሎዶ?

ክሳብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኮሮናቫይረስ ንምምርማር ዘኽእል መሳርሒ ዘለወን ክልተ ቤተ-ፈተነታት ጥራሕ እየን ነይረን፤ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ሰኔጋል።

ኣብዚ ሰሙን ግና ሃገራት ጋና፣ ማዳጋስካር፣ ናይጄርያን ሴራ ልዮንን ምርመራ ንምክያድ ዘኽእል መሳርሒ ከምዘማላኣ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ኣብታ ኣህጉር ናብ ዘለዉ 29 ቤተ-ፈተነታት፡ ካብ ከባቢኦምን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ናሙናታት ንምምርማር ክኽእሉ ዝሕግዙ መሳርሒታት ይልእኽ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ፡ ብውሑድ 36 ሃገራት ኣፍሪቃ ኮሮና ቫይረስ ንምምርማር ዘኽእል መሳርሒ ክህልወን ተስፋ ይግበር።

ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ቫይረስ ብዘተኣማምን ናይ ምምርማር ዓቕሚ፡ "ኣብቶም ኣብ ቻይናን ኣውሮጳን ተሰሪሖም ዝመጹ ኬሚካላት ዝተመርኮሰ እዩ" ይብል ዶ/ር ያኦ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናይጄርያ፡ እቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ዝሕግዙ ሓደ ሚልዮን ወለንተኛታት ኣዳልዩ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ታንዛንያ ብወገኑ እቲ ቫይረስ እንተተኸሲቱ፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝዕቆቡሎም ማእከላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ነጺሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። ሙቐት ዝዕቅኑ ቴርሞ ሜትራት ከም ዝተዳለዉን ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝሰልጠኑን እውን ሓቢሩ።

ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ኣይቮሪ ኮስት፣ ጋናን ቦትስዋናን በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ሰባት ፈልየን ዝነበራ ኮይነን፡ ኩሎም እቲ ቫይረስ ኣይተረኸቦምን።

ዩጋንዳ 'ውን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ከባቢ 100 ሰባት ንበይኖም ፈልያ ትምርምሮም ከምዘላ ገሊጻ ኣለ።

ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ በቲ ቫይረስ ዝጠርጠሮም ሓደ ቻይናውን ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንበይኖም ክፍለዩ ከምዝገበረ ሎሚ ዓርቢ ገሊጹ ኣሎ።

ካብ ኢቦላ እንታይ ትምህርቲ ተወሲዱ?

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ ዝነበረ ሕማም ኢቦላ ኣብ ምክልኻል ዝተሳተፈ ዶ/ር ያኦ፡ ከቢድ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ዓቕሚ ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን።

ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣጋ ነቲ ናይ ምምርማር ስራሕቲ ከጠናኽራ ከምዘለወን ዝገልጽ ዶ/ር ያኦ፡ ብዙሓት ሃገራት ብስግኣት ኢቦላ ዝመጹወን ኣጋይሽ ምርመራ እናገበራ ምጽነሐን ከም ከም ጽቡቕ ተሞክሮ ከምዝውሰድ ይሕብር።