ኮሮናቫይረስ፡ ሰልፈኛታት ዩክሬን ካብ ቻይና ዝመጹ ጥርጡራት ዝሓዛ ኣውቶቡሳት ኣጥቂዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዩክሬን፡ ካብ ቻይና ዝገዓዙ ጥርጡራት ኮሮና ቫይረስ ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ብሰልፈኛታት ተጠቒዐን።
እቶም ካብ ቻይና ዝገዓዙ ተጠርጠርቲ፡ ን14 መዓልቲታት ናብ ዝዳጎንሉ ኣብ ኖቪ ሳንዛሪ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል እዮም ዝውሰዱ ነይሮም።
ብዙሓት ነበርቲ፡ እቲ ቫይረስ ናብታ 10 ሽሕ በዝሒ ዝነብረላ ከተማ ከይላባዕ ስግኣት ኣለዎም።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቭላድሚር ዘለንስኪ ግን፡ "ኩለና ደቂ ሰባት ኢና" ብምባል እቶም ነበርቲ ክትሓባበሩን ሰብኣዊነት ከርእዩን ጸዊዑ ኣሎ።
ትማሊ ሓሙስ 45 ዩክሬናውያንን 27 ወጻእተኛታትን፡ ካብታ ዋና ማእከል እቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ተበጊሶም፡ ኣብ ምብራቒ ዩክሬን ናብ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ ኣትዮም።
እቶም ኣጋይሽ ብሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ናብ ሆስፒታል እንትውሰዱ፡ ሓዊ ዘንድዱን እእማን ዝድርብዩን ሰባት ኣብ መንገዲ ጠጠው ኣቢሎምዎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብቶም ኣጋይሽ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተጠቐዐ ሰብከምዘየለ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ልዑል ረስኒ ተራእዩዎም ዝተብሃሉ ሰለስተ ዩክሬናውያንን ሓደ ካዛኪስታናውን ግን ኣብ ከተማ ውሃን ክተርፉ ከምዝተገበረ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኦለክሲ ሆንቻሩክ፡ ምስ ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ውሽጢ ዓድኢ እታ ሃገርን ብምዃን፡ ነቲ ወጥሪ ንምዝሕሓል ናብታ ከተማ ኣትዮም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክሬናውያን ርህራሀ ከርእዩ ዝተማሕጸነ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ "መብራሕተኦም እቶም ኣጋይሽ ትሕቲ 30 ዝዕድሚኦም እዮም፤ ንመብዛሕቴና ዳርጋ ደቅና እዮም" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ዛጊድ በቲ ኮቪድ-19 ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ቫይረስ ልዕሊ 76 ሽሕ ሰባት ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ 2,247 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።
መብዛሕትኡ እቲ ለበዳን ሞትን ኣብ ውሽጢ ቻይና እዩ ተኸሲቱ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







