ኣብ ስሪላንካ ዝተሓሰበ ምዝገባ ክብረወሰን ማናቱ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ተኣጓጒሉ

ስሪላንካ ማናቱ ዝራኸቡሉ ዝዓበየ መድረኽ ዓለም ብምድላው ተመዝግቦ ዝሓሰበት ክብረወሰን ብሰንኪ ብዝሒ ናብቲ መድረኽ ዝመጽኡ ማናቱ ክሰምረላ ኣይከኣለን።

ኣዳለውቲ ናይቲ መድረኽ፡ ማናቱ ስሪላንካ ኣብ ስታድየም ዋና ከተማ ኮሎምቦ ክርከቡ ጻውዒት ዘቕረቡሉ ምኽንያት፡ ነቲ ብ1999 ዝተመዝገበ ክብረወሰን ንምምሕያሽ'ዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን 3,961 ጽምዲ ማናቱ፣ 37 ሰሰለስተ ኮይኖም ዝተወለዱ፣ 4 ድማ ኣኣርባዕተ ኮይኖም ዝተወለዱ ሰባት ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኺቦም ነይሮም።

ትማሊ ሰኑይ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝኾኑ ማናቱ ናብቲ ስታድየም ከቲቶም። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሰልፊ ስለዘጋጠመ ሕግታት ምዝገባ ተጣሒሶም።

Presentational white space
Presentational white space
ማናቱ ጀነራላት ስሪላንካ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ማናቱ ስሪላንካ ካብቲ ትጽቢት ዝተገበረ ንላዕሊ ናብ ስታድየም ወጺኦም፤ ናይ ልደት ሰርቲፊኬት ንምርግጋጽ ይፍተን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ልዕሊ ዓቐን ሰልፊ ኣጋጢሙ።

Presentational white space
መናቱ ንምዝገባ እናተጸበዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

...ተሳተፍቲ ምዝገባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ስእልታት እናተሰኣሉ ይረኣዩ ነይሮም።

Presentational white space
መናቱ ብሓባር እናተሰኣሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Presentational white space

ኣዳለውቲ'ቲ መድረኽ ብ5,000 ጽምዲ ማናቱ ነቲ ዝነበረ ክብረወሰን ከመሓይሹ ዕላማ ነይርዎም።

Presentational white space
ማናቱ ስሪላንካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ኣብ ስሪላንካ በቲ ትካለ ዝተመዝገቡ 14,000 ጽምዲ መናቱ ከም ዘለው ጸብጻብ ወኪል ዜና ፈረንሳ - ኤ ኤፍ ፒ የመልክት።

Presentational white space
ሰለስተ ጽምዲ ማናቱ ስሪላንካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ካብ ሞንጎ ማናቱ ክልተ ጀነራላት ስሪላንካ [ጃያንታን ፖርካን] ይርከብዎም።

Presentational white space
ማናቱ ጀነራላት ስሪላንካ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Presentational white space

ካልኦት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ጸጥታን እውን ተረኺቦም።

Presentational white space
ጽምዲ ማናቱ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል

ምንጪ ስእሊ, EPA

Presentational white space

እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ማናቱ ዝተረኸቡሉ ኣጋጣሚ ንመምርሕታት መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ከይነማልኡ ከምዝገበሮም ኣዳለውቲ'ቲ መድረኸ ይገልጹ።

Presentational white space
ማናቱ መነኮሳት ቡድሃ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ቡድሃውያን ማናቱ መነኮሳት'ውን ካብ ሞንጎ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ እዮም።

Presentational white space
ንምዝገባ ዝጽበዩ ማናቱ መስርዕ ሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ኣዳለውቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ካልእ መድረኽ ንምድላው ከምዝሓሰቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ተሳተፍቲ'ውን ደጊሞም ንምፍታን ሕጉሳት ከምዝኾኑ ገሊጾም።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ማናቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Presentational white space
ማናቱ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣብቲ መድረክ ተረኺበን ነይረን

ምንጪ ስእሊ, AFP

Presentational white space

መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ሕሉው እዩ። [All pictures subject to copyright.]