እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስሪላንካ ዝተሓሰበ ምዝገባ ክብረወሰን ማናቱ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ተኣጓጒሉ
ስሪላንካ ማናቱ ዝራኸቡሉ ዝዓበየ መድረኽ ዓለም ብምድላው ክተመዝግቦ ዝሓሰበት ክብረወሰን ብሰንኪ ብዝሒ ናብቲ መድረኽ ዝመጽኡ ማናቱ ክሰምረላ ኣይከኣለን።
ኣዳለውቲ ናይቲ መድረኽ፡ ማናቱ ስሪላንካ ኣብ ስታድየም ዋና ከተማ ኮሎምቦ ክርከቡ ጻውዒት ዘቕረቡሉ ምኽንያት፡ ነቲ ብ1999 ዝተመዝገበ ክብረወሰን ንምምሕያሽ'ዩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን 3,961 ጽምዲ ማናቱ፣ 37 ሰሰለስተ ኮይኖም ዝተወለዱ፣ 4 ድማ ኣኣርባዕተ ኮይኖም ዝተወለዱ ሰባት ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኺቦም ነይሮም።
ትማሊ ሰኑይ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝኾኑ ማናቱ ናብቲ ስታድየም ከቲቶም። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሰልፊ ስለዘጋጠመ ሕግታት ምዝገባ ተጣሒሶም።
ማናቱ ስሪላንካ ካብቲ ትጽቢት ዝተገበረ ንላዕሊ ናብ ስታድየም ወጺኦም፤ ናይ ልደት ሰርቲፊኬት ንምርግጋጽ ይፍተን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ልዕሊ ዓቐን ሰልፊ ኣጋጢሙ።
...ተሳተፍቲ ምዝገባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ስእልታት እናተሰኣሉ ይረኣዩ ነይሮም።
ኣዳለውቲ'ቲ መድረኽ ብ5,000 ጽምዲ ማናቱ ነቲ ዝነበረ ክብረወሰን ከመሓይሹ ዕላማ ነይርዎም።
ኣብ ስሪላንካ በቲ ትካለ ዝተመዝገቡ 14,000 ጽምዲ መናቱ ከም ዘለው ጸብጻብ ወኪል ዜና ፈረንሳ - ኤ ኤፍ ፒ የመልክት።
ካብ ሞንጎ ማናቱ ክልተ ጀነራላት ስሪላንካ [ጃያንታን ፖርካን] ይርከብዎም።
ካልኦት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ጸጥታን እውን ተረኺቦም።
እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ማናቱ ዝተረኸቡሉ ኣጋጣሚ ንመምርሕታት መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ከይነማልኡ ከምዝገበሮም ኣዳለውቲ'ቲ መድረኸ ይገልጹ።
ቡድሃውያን ማናቱ መነኮሳት'ውን ካብ ሞንጎ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ እዮም።
ኣዳለውቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ካልእ መድረኽ ንምድላው ከምዝሓሰቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ተሳተፍቲ'ውን ደጊሞም ንምፍታን ሕጉሳት ከምዝኾኑ ገሊጾም።
መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ሕሉው እዩ። [All pictures subject to copyright.]