ተጣቢቐን ዝተወልዳ ታንዛንያዉያን ኣብ 21 ዓመተን ሞይተን

ተጣቢቐን ዝተወለዳ ታንዛንያዉያን ማናቱ ማርያን ኮንሶላታን ብናይ ምስትንፋስ ሽግር ድሕሪ ምስቓይ ኣብ 21 ዓመተን ኣብ ሆስፒታል ዓሪፈን።

ናይ ሓባር ጸላም ከብድን ሳንቡእን ዝነበረን ካብ ሕምብርተን ንታሕቲ ልጉባት ዝኾና እዘን ማናቱ፤ ነናተን ልብን ኣእዳዉን ርእስን ኔርወን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ምስ ልቢ ብዝተሓሓዝ ጸገማት፤ ሆስፒታል ኣትየን እኳ እንተነበራ፤ ዝሓለፈ ቀዳም ኢዩ ህይወተን ሓሊፉ።

እዘን ማናቱ ኣብ ታንዛንያዉያን ህቡባት ዝነበራ ኮይነን፤ ሞተን ብዙሕ ጓሂ ፈጢሩ ኣሎ።

ኣዝዮም ብዙሓት ዜጋታት 'ታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም ክገልጹ ውዒሎም።

ፕረሲደንተ ጆን ማጉፋሊ እተን ማናቱ ንሃገረን ንምግልጋል ፍሉይ ድሌት ከምዝነበረንን ብሞተን ከም ዝሓዘነን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ማርያን ኮንሶላታን፡ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርኦ ዕላል፤ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርተን ምስ ወድኣ ብምምህርና ከገልግላ ድሌት ከም ዘለወን ገሊጸን ነይረን።

ብመጥባህቲ ክፈላለያ ድሌት ከም ዘይብለንን ምስ ዓበያ ሓደ ሰብኣይ ተመርዕየን ክነብራ ከም ዝደልያን'ዉን ሓቢረን ነይርን።

ንሳተን ብዕሸለን ወለደን በሞት ብምስኣነን ኣብ ናይ ካቶሊክ ትካል ግብረ ሰናይ ብኣደጡብነት ኢየን ዓብየን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምረቓ ከለዋ ብዙሓት ናይ እንቋዕ (እንኳዕ) ሓጎሰክን መልእክትታት ሰዲዶምለን ምንባሮም ይዝከር።