ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ጥምቀት የኽብሩ ኣለዉ

ኣብ ሩስያን ምብራቓዊ ኣውሮጳን ዝርከቡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ናብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ብምእታው ንበዓል ጥምቀት ከኽብሩ ጀሚሮም።

በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ በቢዓመቱ 19 ጥሪ ኣብ ሩባ ጆርዳን ይኽበር።

Presentational white space
ንኣማኒ ዘጠምቑ ቀሺ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ንጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ዝዝክኡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ንነብሶም ኣብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ይኣልኩ። ናብ ውሽጢ እቲ ማይ ድማ ሰለስተ ግዜ ይኣትዉን ይወጽኡን፤ እዚ ድማ ስላሴ ንምዝካር ከምዝኾነ ይግለጽ።

Presentational white space
ንባሕረ ጥምቀት ዝባርኹ ቀሺ ኣብ ሩስያ ሞስኮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንባሕረ ጥምቀት ዝባርኹ ቀሺ ኣብ ሩስያ ሞስኮ
Presentational white space

ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና፡ ጥምቀት ዝሓሸ ጥዕና ዝህቦምን ንሓጥያቶም ዝሓጽበሎምን ከምዝኾነ ይኣምኑ። ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዘሎ ስእሊ ሩስያዊ ቀሺ ኣብ ከተማ ሞስኮ ንዘሎ ማይ ጥምቀት እናባረኹ ይረኣዩ።

Presentational white space

እቶም ሰዓብቲ፡ ኣብ እዋን ጥምቀት ኩሉ ማይ [ሩባ፣ ቀላይ ወይ ባሕሪ] ከምዝባረኽ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ እቲ ኣዝዩ ዝሑል ዝኾነ ወይ በረድ ማይ ንጥዕና ረብሓታት ከምዘለዎ ይሓስቡ።

Presentational white space
ኣብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ዘለዎ ቀላይ ዝጥመቕ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space
ሰርብያውያን ኣብ ሩባ ሳቫ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Presentational white space

ሰርብያውያን ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ቤልግሬድ ናብ ዝርከብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ዘለዎ ሩባ ሳቫ እናዘለሉ ብምእታው ይጥመቑ።

Presentational white space
ናብ በረድ ማይ እናኣተወት እትጥመቕ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ኣብዚ ስእሊ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሩስያ ከተማ ኦምስክ፡ ዛሕሊ ናብ ኣሉታ 10 ሴንቲ ግሬድ (-10C) ናብ ዝኾነ ማይ እናኣተወት ክትጥመቕ ትረኣይ።

Presentational white space
ናብ ብጣዕሚ ዝሑል ዝኾነ ማይ ብምእታው ዝጥመቕ እሱር ኣብ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Presentational white space

ኣብ ሩስያ ብኣባላት ጸጥታ ብጥብቂ እናተሓለወ ኣብ በረድ ማይ ዝጥመቅ እሱር።

Presentational white space
ሰርብያውያን ኦርቶዶክስ ክርስትያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

Presentational white space

ኣብ ቤልግሬድ ሩባ ሳቫ ንስእሊ ዝተኣኻኸቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትያን።

መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ እዩ።