ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ጥምቀት የኽብሩ ኣለዉ
ኣብ ሩስያን ምብራቓዊ ኣውሮጳን ዝርከቡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ናብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ብምእታው ንበዓል ጥምቀት ከኽብሩ ጀሚሮም።
በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ በቢዓመቱ 19 ጥሪ ኣብ ሩባ ጆርዳን ይኽበር።


ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ዝዝክኡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ንነብሶም ኣብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ይኣልኩ። ናብ ውሽጢ እቲ ማይ ድማ ሰለስተ ግዜ ይኣትዉን ይወጽኡን፤ እዚ ድማ ስላሴ ንምዝካር ከምዝኾነ ይግለጽ።


ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና፡ ጥምቀት ዝሓሸ ጥዕና ዝህቦምን ንሓጥያቶም ዝሓጽበሎምን ከምዝኾነ ይኣምኑ። ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዘሎ ስእሊ ሩስያዊ ቀሺ ኣብ ከተማ ሞስኮ ንዘሎ ማይ ጥምቀት እናባረኹ ይረኣዩ።

እቶም ሰዓብቲ፡ ኣብ እዋን ጥምቀት ኩሉ ማይ [ሩባ፣ ቀላይ ወይ ባሕሪ] ከምዝባረኽ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ እቲ ኣዝዩ ዝሑል ዝኾነ ወይ በረድ ማይ ንጥዕና ረብሓታት ከምዘለዎ ይሓስቡ።


ምንጪ ስእሊ, Reuters


ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰርብያውያን ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ቤልግሬድ ናብ ዝርከብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ዘለዎ ሩባ ሳቫ እናዘለሉ ብምእታው ይጥመቑ።


ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ስእሊ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሩስያ ከተማ ኦምስክ፡ ዛሕሊ ናብ ኣሉታ 10 ሴንቲ ግሬድ (-10C) ናብ ዝኾነ ማይ እናኣተወት ክትጥመቕ ትረኣይ።


ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሩስያ ብኣባላት ጸጥታ ብጥብቂ እናተሓለወ ኣብ በረድ ማይ ዝጥመቅ እሱር።


ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ቤልግሬድ ሩባ ሳቫ ንስእሊ ዝተኣኻኸቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትያን።
መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







