ትካል ባህሊ ትምህርትን ሳይንስን፡ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ተወሲኑ

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ

ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ]፡ ንሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰስ ባህላዊ ቅርሲ ኮይኑ ክምዝገብ ተወሲኑ።

ዩኔስኮ ኣብ ኮሎምቢያ [ቦጎታ] ኣብ ዘካይድኦ ዘሎ መበል 14 ኣኼባ ኮሚቴ ሓለዋን ዕቀባን ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት፡ በዓል ጥምቀት ዝርከቦም ሓሙሽተ ሓድግታት ክምዝወገቡ ውሳነ ኣሕሊፉ።

በዓል ጥምቀት፡ ብሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓትን ምድላውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ክኽበር ጸኒሑ'ዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እዚ ሃይማኖታዊ በዓል ኣብ መዝገብ ዘይድህሱ ሓድጊታት ዓለም ዩኔስኮ ንምምዝጋብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሰርሑ ጸኒሖም።

በዓል ጥምቀት ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዩኔስኮ ምምዝጋብ እዚ በዓል ብዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ፡ ጥምቀት ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብዘይምቁራጽ እናተኸበረ ዝመጽአ ምኻኑ ብምግላጽ፡ "ኢትዮጵያውያን ብዝለዓለ ድምቀት ዘኽብሩዎ በዓል እዩ" ኢሉ።

በዓል ጥምቀት ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣደባባይ ብድምቀት ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዯጵያ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ዶመኒካን ሪፐብሊክ፣ 'ኣልፊኒዝም' ዝተብሃለ ፊዚካላዊ፣ ቴክኒካውን ኣእምሮኣውን ክእለት ዝሓትት ኣብ ፈረንሳ፣ ጥልያንን ስዊዘርላንድን ዝኾነ ዓመታዊ ምሕዃር መንደቕ ዓበይቲ ብበረድ ዝተሸፈኑ ጎቦታት፣ ባህላዊ ጥበብን ጸወታ 'ዶታር'ን ኢራን ህዝቢታት ሜክሲኮን ስፔንን ዝርከብ ባህላዊ ኣሰራርሓ መዝጊቡዎም።

ቅድም ኢሊ'ውን፡ ሃይማኖታዊ በዓል መስቀል፣ ህዝቢ ኦሮሞ ንዓመታት ክመሓደሩ ዝጸንሐን ዘሎን ባህላዊ ስርዓት ምሕደራ ገዳ ከምኡ'ውን ዘመን መለወጢ ህዝቢ ሲዳማ ዝኾነ ፊቼ ጨምበላላ፡ ኣፍልጦ ብምሃብ መዝጊቡ'ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማላዊ ኒስማ ዝተብሃለ ባህላዊ መግቢ፣ ሞሪሽየስ 'ስጋ ታምቡር' ዝተብሃለ ባህላዊ ሙዚቃ፣ ኣይቬሪኮስት ዛዑሊ ዝተብሃለ ባህላዊ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ጉሮ ዝተብሃለ ሕብረሰተብ፡ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዩኔስኮ ኣመዝጊበን እየን።

ኢትዮጵያ፡ ሓወልቲ ኣኽሱም፣ ላሊበላን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታት ኣመዝጊባ'ያ።