ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 55 ኣብ በዓል ዳሜራ ዝተሳተፉ ኣመንቲ ኣሲሩ ተባሂሉ

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 55 ኣብ በዓል ዳሜራ ዝተሳተፉ ኣመንቲ ኣሲሩ ክብል ሃገረስብከት ኣዲስ ኣበባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ፈጻሚ ጉዳያትን ናይቲ ሃገረስብከት መላከ ህይወት ኣባ ወልደየሱስ ሰይፉ: ንቢቢሲ ከም ዝገለጹዎ 33 ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ምእመናን፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ቤተክርስትያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ዝጽውዕ ጽሑፍ ዘለዎ ማልያታት ብምኽዳኖም ከም ዝተኣስሩ ተዛሪቦም።
'ናይ ቤተክርስትያን ጉዳይ የገድሰኒ'ዩ'፡ 'ምቅጻል ቤተክርስትያን ደው ይበል' ዝብሉ ጽሑፋት ከም ዝነበርዎም ኣባ ወልደየሱስ ጠቒሶም።
12 ካብኣቶም ድማ፡ በሊሕ ነገር ሒዞም ተረኺቦም ብዝብል፡ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ከኣ ናይ ካልእ ሰብ መእተዊ ፍቓድ ሒዞም ብምርካቦም'ዮም ተኣሲሮም ይብሉ እቶም መራሒ ሃይማኖት።
እቶም ኣብቲ ጽንብል ዝተታሕዙ ሰባት ናብቲ ኣብ ካዛንቸስ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ከም ዝተወስዱን፡ እቶም መራሒ ሃይማኖት ናብኡ ከይዶም ምስቶም ሓለፍቲ ድሕሪ ምዝርራቦም ግን፡ 37 ካብኦም ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ ገሊጾም።
እቲ ዓመት መጸ ዝካየድ ጽምብል ዳሜራ፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዘርከብ መስቀል ኣደባባይ'ዩ ዝፍጸም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







