ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ጥምቀት የኽብሩ ኣለዉ

ኣብ ሩስያን ምብራቓዊ ኣውሮጳን ዝርከቡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ናብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ብምእታው ንበዓል ጥምቀት ከኽብሩ ጀሚሮም።

በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ በቢዓመቱ 19 ጥሪ ኣብ ሩባ ጆርዳን ይኽበር።

ንጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ዝዝክኡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ንነብሶም ኣብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ይኣልኩ። ናብ ውሽጢ እቲ ማይ ድማ ሰለስተ ግዜ ይኣትዉን ይወጽኡን፤ እዚ ድማ ስላሴ ንምዝካር ከምዝኾነ ይግለጽ።

ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና፡ ጥምቀት ዝሓሸ ጥዕና ዝህቦምን ንሓጥያቶም ዝሓጽበሎምን ከምዝኾነ ይኣምኑ። ኣብቲ ልዕል ኢሉ ዘሎ ስእሊ ሩስያዊ ቀሺ ኣብ ከተማ ሞስኮ ንዘሎ ማይ ጥምቀት እናባረኹ ይረኣዩ።

እቶም ሰዓብቲ፡ ኣብ እዋን ጥምቀት ኩሉ ማይ [ሩባ፣ ቀላይ ወይ ባሕሪ] ከምዝባረኽ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ እቲ ኣዝዩ ዝሑል ዝኾነ ወይ በረድ ማይ ንጥዕና ረብሓታት ከምዘለዎ ይሓስቡ።

ሰርብያውያን ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ቤልግሬድ ናብ ዝርከብ ኣዝዩ ዝሑል ማይ ዘለዎ ሩባ ሳቫ እናዘለሉ ብምእታው ይጥመቑ።

ኣብዚ ስእሊ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሩስያ ከተማ ኦምስክ፡ ዛሕሊ ናብ ኣሉታ 10 ሴንቲ ግሬድ (-10C) ናብ ዝኾነ ማይ እናኣተወት ክትጥመቕ ትረኣይ።

ኣብ ሩስያ ብኣባላት ጸጥታ ብጥብቂ እናተሓለወ ኣብ በረድ ማይ ዝጥመቅ እሱር።

ኣብ ቤልግሬድ ሩባ ሳቫ ንስእሊ ዝተኣኻኸቡ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትያን።

መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ እዩ።