ጃልባ ብምግልባጣ ልዕሊ 50 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጥሒሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገማግም ማውሪታንያ ጃልባ ብምግልባጣ ብውሑድ ካብቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ 57 ከምዝጠሓሉ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ብመሰረት ካብ ኣጄንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ቅድሚ ሰሙን ኣቢላ 150 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ጋምብያ ከምዝተበገሰት የረድእ።
ካብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ዝደሓኑ ስደተኛታት ንትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበርዎ፡ እታ ጃልባ ናብ ገማግም ሞሪታንያ ኣብ ዝቐረበትሉ ነዳዲ ከምዝወአትን፤ እቲ ኣብ ዝባን እታ ጅልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ብጭንቐት ከዕለብጡ ምስ ጀመሩ ሚዛና ስሒታ ከም ዝተገምጠለት ኣረዲኦም።
እዚ ብመንገዲ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ናብ ኣውሮጳ ዝወስድ መስመር ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝውቱር ዝነበረ መስመር እዩ።
እዚ ንኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ተጠቒምካ ዝግብር ጉዕዞ ሓደገኛ መስመር ኮይኑ፡ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ዝነበረ ናይ ልዕሊ ሰሙን ጉዕዞ እዩ።
እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመንገዲ ሊብያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ዝፍተን ጉዕዞ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብምራቕ ኣፍሪቃን ገለ ምዕራብን ምእከላይን ኣፍሪቃ ዝጥቐሙሉ መስመር እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







