ትራምፕ ኣብ መጋባእያ መርመራ ግህሰት ሕጊ ክሳተፍ ወይ 'ካብ ምዕዝምዛም ክቑጠብ' ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ 4 ታሕሳስ ብዛዕብኡ ዝካየድ ፈላሚ መጋባእያ መርመራ ግህሰት ሕጊ ክርከብ፡ ባይቶ ኣሜሪካ [ኮንግረስ] ዕድመ ኣቕሪቡሉ።
ኣቦመንበር ኮሚተ ፈራዶ ባይቶን ኣባል ደሞክራስያዊ ሰልፍን፡ ጀሮልድ ናድለር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ፕረዚደነት ትራምፕ እንተኽኢሉ ኣብቲ መጋባእያ ክርከብ ወይ ድማ "ብዛዕባ እቲ መስርሕ ካብ ምዕዝምዛም ክቑጠብ ኣለዎ" ኢሉ።
ፕረዚደነት ትራምፕ ኣብቲ መጋባእያ እንተተሳቲፉ፡ ነቶም መሰኻኽር ናይ ምሕታት ዕድል ክረክብ እዩ።
እዚ፡ እቲ መርመራ ግህሰት ሕጊ ናብ ካልእ መድረኽ ይሰግር ምህላው መርኣዪ ምዃኑ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ስልጣኑ ብዘይ ኣግባብ ተጠቂምሉ ብዝብል እዩ ዝኽሰስ።
እቲ መርመራ፡ ዩክረይን ነቲ ኣብ ልዕሊ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን ወዱ ሃንተርን ንዘሎ ናይ ብልሽውና ክሲ እንተዘይመርሚራ ኣሜሪካ ነታ ሃገር እትገብሮ ወተሃድራዊ ሓገዝ ደው ከም እተብሎ፡ ትራምፕ፡ ኣፈራሪሑ እንተኾይኑ ዘጻርይ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ከም ዘይወዓሎ ብምግላጽ ኣንጻሩ ዝካየድ ጎስጓስ ምዃኑ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ብዙሓት መሰኻኽር፡ ብማዕከናት ዜና ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቃሎም ሂቦም።
እዚ ምርመራ እዚ ከኣ ዳርጋ ንካልእ ዛንታት ምሉእ-ብምሉእ ዓብሊሉዎ ጸኒሑ'ሎ። ሕጂ'ውን በቲ ጕዳይ ዝምልከቱን ምስኡ ዝተኣሳሰሩን ኣርእስትታት በብመዓልቱ ይቃልዑ ስለ ዘለዉ መርመራ ግህሰት ሕጊ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ መድርኻት ሚድያ ገና ኣይተፈልየን።
ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ሚድያ ትንታነ ዝህቡ ዘለው ፈላጣትን ምሁራትን እዚ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ደሞክራትን ዝጉህር ዘሎ ክርክር ክቕጽል እዩ ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መስርሕ ናይ'ቲ መርመራ ግህሰት ሕጊ (ኢምፒችመንት) - ኣዝዩ ጽዑቕን ዝተሓላለኸን ስለ ዝዀነ ብፍላይ ነቶም መራሕ መንግስቲ ብዝፈጸሞ ግህሰት ሕጎ ከምዝኽሰስ ርእዮም ዘይፈልጡ ሰባት ምርድኡ ከጸግሞም ይኽእል እዩ። ናይ ምኽሳስ ምስጓጕን ምእሳርን ባህሊ ፖለቲካ ኣብ ዘይብሉ ዓለም ዝነብሩ ናይ ግድን ከገርሞም ይኽእል'ዩ።
ሕጊ ንዝገሃሰ ፕረዚደንት ምኽሳስ (ኢምፒችመንት) ኣብ ቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ እትው'ዩ። መንግስቲ በዞም ዝስዕቡ ጕዳያት መስርሕ ኢምፒችመንት ከበግስ ይኽእል - ክድዓት፡ ጉቦ፡ ጥሕሰት ሕግን ንኣሽቱ ገበናትን። ሓደ ሓላፊ ብሓደ ካብ'ዞም ዝተጠቕሱ ገበናት ምስ ዝኽሰስ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ባይቶን ኣብ ሰነት ብድምጺ ምስ ዝሓልፍ እቲ ክሱስ፡ ፕረዚደንት ይዅን ካልእ፡ ካብ ስርሑ ክስጐጕ ይኽእል።
መርመራ ውንጀላ ፕረሲደንት ትራምፕ
ፕረዚደንት ትራምፕ ንቡር ዘይኰነ መስርሕ ተጠቒሙ ንፖለቲካ ኣሜሪካ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩሉ ዝብል ዘረባ ይስማዕ እዩ። ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ንፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ስራሕ መርሓ-ሃገር እንተ ልዕሊ ዓቕሙ ኮይኑዎ፡ ወይ ከኣ ብዝመስሎ ብናይ ገዛእ ርእሱ ባህሪ ብእንካን-ሃባን ክሰርሖ ስለዝደሊ እዩ ዝኸውን ኣብ ብዙሕ ጸገማት ኣትዩ ዘሎ ዝብሉ እውን ኣለው። ትራምፕ ፈላላዪ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መጐተ ዝጥቀም፡ ፕረሲደንታዊ ፕሮቶኮል ዘየዘውትር፡ ዘይእዱብ ቋንቋ ዝጥቀም ሰብ እዩ ብምባል ይወቕሱዎ። ካልኦት ከኣ ትራምፕ ንንቡር ኣካይዳ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝቐየረ ደፋር መራሒ ኢሎም ዝንእድዎ እውን ኣለው።
እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ትራምፕ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ቅዋም ዚጥሕስ ገበን ፈጺሙ ብዝብል መጐተ'ዩ ዚብገስ።
እንታይ'ዩ እቲ ገበን?
ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ንሃገረ-ዩክሬን ብኮንግረስ (ባይቶ መንግስቲ) ዝተሰልዐን ዝጸደቐን ሓገዝ ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ክዋገየሉ ፈቲኑ። እዚ ከኣ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል እዩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ንፕረሲደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ (ናይ ዩክሬን መራሒ) ናብ ጥቕሙ ዜዘንበለ ጉንዖ ንክገብረሉ ስለ ዝፈተነ'ዩ። ዝኾነ ይኹን ናይ ባዕዲ መንግስቲ፡ ትካል ወይ ባእታ ኣብ ዉሽጣዊ ጕዳይ ኣሜሪካ ኢድ ንኸእቱ ብጥብቂ ክልኩል ኢዩ። ፕረሲደንት ትራምፕ ግን ነዚ ሕጊ ጥሒሱ'ዩ ኣብ ናይ ዩክሬን መንግስቲ ምእንቲ ረብሕኡ ኢዱ ከእቱ ፈቲኑ ተባሂሉ እዩ ዝምርመር ዘሎ።
እንታይ'ዩ እቲ ረብሓ?
ኣብተ ኣብ ኣሜሪካ ንዓመታ ዚካየድ ፕረሲደንታዊ ምርጫ፡ ሓደ ጆ ባይደን ዝበሃል ሰብ ካብ ሰልፊ ደሞክራትስ ንክወዳደርረ ቀሪቡ ኣሎ። ጆ ባይደን ከኣ ናይ ፕረሲደንት ኦባማ ምክትል ፕረሲደንት ኰይኑ ንሸሞንተ ዓመት ዜገልገለ ምኩር ፖለቲከኛ ኢዩ።
ውድድር ምርጫ ኣመሪካ ካብ ዝጅመር ጆ ባይደን (ሰልፊ ደሞክራት) ካብ'ቶም ካልኦት መወዳድርቱ ጸብለል ኢሉ ኣብ ምምራሕ ይርከብ። እንድሕሪ ስዒሩ ኸኣ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ክወዳደር ማለት'ዩ። ናይ ጆ ባይደን ኣብ ዉድድር ምቕራብ ከኣ ንፕረሲደንት ትራምፕ ከም ዜሰክፎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። ስለዚ ከኣ እዩ ፕረዚደንት ትራምፕ ንጆ ባይደን መታን ክስዕሮ ስሙ ዜጸልም ነገራት ኣብ ምንዳይ ይርከብ ኣሎ። በዚ ከኣ ትራምፕ ብጆ ባይደን ምእንቲ ንከይስዓር - ንረብሓኡ ክብል -ዉዲት ኣሊሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ ዘሎ።
እንታይ'ዩ እቲ ዉዲት?
ኣብ ዩክሬን ብልሽውና ሱር ከምዝሰደደ እዩ ዝዝረብ። ብተወሳኺ፡ ዩክሬን ምስ ሩስያ ኣብ ዝሑል ዉግእ ትርከብ። ኣብ 2104 እውን ሩስያ ንውሽጢ ደፊኦም ብምእታው ንክሪመያ ዝበሃል ግዝኣት ዩክሬን ከም ዝሓዙዎን ይጥቀምሉ ከምዘለዉን ዝዝከር እዩ።
እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓድሽ ናይ ዩክሬን መራሒ ፕረሲደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ከኣ ብልሽውና ከጥፍእ'የ ብዚብል መጐተ'ዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ።
ን ጆ ባይደን ወዱ ሃንተር፡ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ጸዓት ኩባንያ ምትእስሳር ነይሩዎ። ነቲ ስራሕ'ቲ ንክረክብ መገዲ ዝጸረገሉ ከኣ ኣቦኡ (ጆ ባይደን) - ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን - ኢዩ፡ ዚብል፡ ብፕረሲደንት ትራምፕ መርትዖ ዘይብሉ ክሲ ቀረበሉ። ካብዚ ተበጊሱ ከኣ ፕረሲደንት ትራምፕ ንፕረሲደንት ዘለንስኪ ናይ ዩክሬይን ጸቕጢ ክገብረሉ ጀመረ።
ፕረሲደንት ኦባማ፡ ጆ ባይደን፡ ሃንተር ባይደን (ወዱ ንጆ ባይደን)
እንታይ ዓይነት ጸቕጢ?
ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ፡ ዩክሬን ኣብ መዋጥር እያ ትርከብ። ብሓደ ሸነኽ ብብልሽውና፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ተጻብኦ ሩስያ። ዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት - ብብዝሒ ካብ ኔቶ - ኢያ ትረክብ። መንግስቲ ኣሜሪካ'ውን ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክህብ ጸኒሑ'ሎ።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ንዩክሬን ሓገዝ ዝኸውን ባይቶ ኣሜሪካ $250 ሚልዮን ኣጽዲቑ ኢዩ። ብሕጊ ኣሜሪካ፡ እዚ ዝተሰልዐ ሓገዝ ፕረሲደንት ትራምፕ ክዓግቶ ኣይክእልን፡ ኣይግብኦን ከኣ። ፕረሲደንት ትራምፕ ግን ነቲ ገንዘብ ሓዚኡ ክዋገየሉ ፈቲኑ እዩ ዝበሃል ዘሎ።
ሓደ ስቱር ሓባሪ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ፕረሲደንት ዘለንስኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብሕቡእ፡ "ንጆ ባይደንን ንወዱን ብብልሽውና ክምርመሩ ምዃኖም ኣብ መድርኽ ወጺእካ ንዓለም ከተቃልሕ ምዃንካ መብጽዓ እተወለይ'ሞ ድሓር እቲ ገንዘብ ክልእከልካ" ኢሉ ጸቕጢ ከምዝገበረ፡ ከምኡ መበሊኡ ምኽንያት ከኣ ንጆ ባይደን ከም ሓደ ብብልሽውና ዝተላዕጠጠ ሰብ ጌሩ ስሙ ንከበላሹ ከምዝነበረ፡ እዚ ዅሉ ክኸውን እንከሎ ከኣ ተጸናጸንቲ ሓበሬታ ኣሜሪካ (ክፍሊ ስለያ) ነቲ ጕዳይ ከምዝበጽሕዎ። ሓደ ስቱር-ጠቋሚ ኸኣ ብዛዕባ ፕረሲደንትን ተደጋገፍቱን ዘካይድዎ ዝነበሩ ካብ ሕጊ ዝወጸ ስርሓት ስለ ዘይተዋሕጠሉ ንሓለፍቲ ባይቶ ኣሜሪካ ከምዘካፈሎም እዩ ዝንገር።
መን'ዩ እቲ ስቱር-ጠቋሚ?
እቲ ተላዒሉ ዘሎ ታዕ-ታዕ ብሓደ ስቱር-ጠቋሚ (whistle-blower) ኢዩ ጀሚሩ። መስርሕ ስቱር-ጠቋምነት ብሕጊ ክልኩል ኣይኰነን። ዝዀነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ሓደ ዘይንቡርን ካብ ሕጊ ወጻእን መስርሕ ምስ ዝርኢ ንዝምልከቶ ኣካል ብስቱር ናይ ምጥቋም ሓላፍነትን መሰልን ኣሎዎ። ስለዚ፡ ሓደ ኣባል ክፍሊ ስለያ በቲ ዝተዓዘቦ ዘይሕጋዊ መስርሕ ንኮንግረስ ብስቱር ሓበረ። እቲ ጕዳይ ምስ ተቓልዐ ከኣ እቲ ብደሞክራትስ ዝዕብለል ኮንግረስ ኣሜሪካ ናይ ምግሃስ ሕጊ መርመራ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣበገሰ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ዘለንስኪ ዝተገብረ ጸቕጢ ኸኣ ብሩዲ ጁልያኒ ከም ዝተማእከለ በጽሑዎ።
ሩዲ ጁልያኒ መን'ዩ?
ሩዲ እቲ ቀንዲ ናይ ግሊ ጠበቓ ፕረሲደንት ትራምፕ እዩ። ንሱ ናይ ከተማ ኒውዮርክ ከንቲባ ዝነበረ ሰብ'ዩ።
እቲ ጠበቓ ንግላዊ ጕዳያት ትራምፕ'ምበር ኣብ ስርሓት መንግስቲ ኢዱ ንከየእቱ ብሕጊ ኩልኩል'ዩ። ፕረሲደንት ትራምፕ ግን ኣብ ስርሓት ወጻኢ ጕዳያት - ብፍላይ ኣብ ጕዳያት ዩክሬን - ካብ የዕንቲ ሕጊ ተሓቢኡ ንጁልያኒ ኢዱ ከም ዜእቱ ገይሩዎ ተባሂሉ እውን ይኽሰስ እዩ። ንመስርሕ ናይ'ቶም ቀንዲ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ጕዳይ ብምጥሓስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደራትን ኰነ ሲቪል ሰራሕተኛታትን (ብደገፍ ትራምፕ ኣቢሉ) ጸቕጢ ክገብር ፈቲኑ፡ ንፕረሲደንት ዘለንስኪ ከኣ "ፕረሲደንት ትራምፕ ዝደልዮ እንተዘይገበርካ ምስኡ ምርኻብ ኰነ እቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣይክሰልጠካን'ዩ" ክብል ጸቕጢ ንኪግበረሊ ብዉሽጠ-ዉሽጢ ከምዝደፍአ እዩ ዝውቀስ።
እቲ ዉሽጠ-ዉሽጣውን ዘይሕጋውን ጐስጓስ ፕረሲደንት ትራምፕን ሰዓብቱን ምስ ተጋህደ ናንሲ ፐሎሲ ናይ ኢምፕችመንት መስርሕ ኣበገሰት።
ናንሲ ፐሎሲ'ኸ መን'ያ?
ናንሲ ፐሎሲ ካብ ሰልፊ ደሞክራት እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘሎዋ ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ኢያ። ኣብዚ እዋንዚ ሰልፊ ደሞክራት ንባይቶ ኣሜሪካ ብብዝሒ ኣባላቶም ኣቢሉ ይቈጻጸሮ ኣሎ። ናንሲ ፐሎሲ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ትራምፕ ናይ ኢምፒችመንት መርመራ ንኸተበግስ ከኣ ስልጣና የፍቅደላ'ዩ። ኰይኑ ድማ እቲ ብፕረሲደንት ትራምፕን ናይ ግሊ ጠበቕኡን (ከምኡ'ውን ብኣፍልጦ ካልኦት ሰበ-ስልጣናት) ዝተፈጸመ ናይ ኣሰያ ገበን (quid-pro-quo) ንክምርመር ኣበገሰት። ን ኣዳም ሺፍ ዝተባህለ መሳርሕታ ድማ ነቲ ጕዳይ ንክምርምር ሓላፍነት ኣሰከመቶ።
ፕረሲደንት ትራምፕ/ናንሲ ፐሎሲ
ኣዳም ሺፍ ንመርመራ ዉንጀላ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ዕጹው-ገዛ ድሕሪ ምክያድ፡ ብቑዓት መሰኻኽር ዝሃብዎ ሓበሬታ ምስ ኣከበ፡ ነቶም መሰኻኽር ብመራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣቕረቦም።
እቶም ቀንዲ መሰኻኽር መሪ ዮቫኖቪች (ኣምባሳደር ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዩክሬን ዝነበረት)፣ ጎርዶን ሶንድላንድ (ኣምባሳደር ሕ.መ.ኣ. ኣብ ሕብረት ኤውሮፓ)፣ ቢል ተይለር (ዝለዓለ ስልጣን ዘሎዎ ዲፕሎማት ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዩክሬን)፣ ሌትናንት ኮሮኔል ኣለክሳንደር ቪንድማን (ዳይረክተር ናይ ቆንስል ሃገራዊ ድሓነት)፣ ዶክ. ፊዮና ሂል (ኣማኻሪት ዋይት-ሃውስ - ብጕዳያት ሩስያ) ... ከምኡ'ውን ካልኦት
ገለ ካብ መሰኻኽር - ሶንደርላንድ/ ዊልያምስ/ቪንድማን/ሆምስ
ኣዳም ሺፍ ነቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ኣብ ምጥርናፍ ይርከብ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝመጽእ እዋን፡ ቅድሚ ልደት ፈረንጂ፡ ብጽሑፍ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚቴ-ፍርዲ (House Judiciary Committee) ከቕርቦ ኢዩ። ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ባይቶ ኣሜሪካ ዉሳኔኡ ከሕልፍ'ዩ።
ኣባላት ኮንግረስ ነቲ ጕዳይ ፍርዶም ምስ ሃቡሉ እቲ ጕዳይ ናብ ሰኔት ክሓልፍ'ዩ። እንድሕሪ ኣባላት ሰኔት እቲ ግህሰት ሕጊ ተፈጺሙ'ዩ ኢሎም ብድምጺብልጫ እንተድኣ ኣሕሊፎም (ብዉሑዱ ብ 2/3) ፕረሲደንት ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ክውገድ'ዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ሰኔት ብኣባላት ረፑብልካንስ'ዩ ተዓብሊሉ ዘሎ። እቲ ጕዳይ ወገነይ-ወገንካ ስለ ዘሎዎ፡ እቶም ኣባላት ሰልፉ ንትራምፕ ኣሕሊፎም ኣይክህብዎን እዮም ዝብል ዘረባ ብሰፊሑ እዩ ዝዝረበሉ ዘሎ።
ኣብ ታሪኽ ሕ.መ.ኣ. ክልተ ጊዜ ናይ ኢምፒችመንት መስርሕ ተኸናዊኑ እዩ። መጀመርታ ብሰንኪ 'ዎተርገይት' ዝተባህለ ጕዳይ ብ 1972-74 ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ኒክሶን ዝተገብረ ካብ ስልጣኑ ንኽእለ ዘገደደ ኢምፕችመንት። እቲ ገበን ፕረሲደንት ኒክሶን ናብ ቤት-ጽሕፈት ደሚክራት ሰብ ኣስሊኹ ብምእታው ዶኩሜንት ሰልፊ ከምዝስረቕ ስለዝገበረ ነበረ። እቲ ካልኣይ ኢምፒችመንት ከኣ ብ 1998 ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ክሊንተን ዝተገብረ ኮይኑ፡ እቲ ፕረሲደንት ምስ ሓንቲ ኣብ ዋይት-ሃውስ ትሰርሕ ዝነበረት መንእሰይ ስጋዊ ርክብ ስለ ዝፈጸመ ነበረ። ኣብ ሰኔት እኹል ድምጺ ስለ ዘይተረኽበ ግን ፕረሲደንት ክሊንተን ካብ ምስጓጕ ድሓነ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







