ኣሜሪካውያን ንስድራቤት ሓርበኛ ኣባል ባይቶ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Ralph Freso
ኣብ 2008 ንፕሬዚደንትነት ዝተወዳደረ ሓርበኛ ኣሜሪካዊ ጆን ማከይን ኣብ መበል 81 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ማኬይን ብቖራጽነቱን ዘየወላውል ፖለቲካዊ መርገጺኡን ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣንጻር`ቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዘበገሶ ጸረ-ስደተኛታትን ማዕከናት ዜናን ፖሊሲ ኣበርቲዑ ብምቅዋሙ ንትራምፕ ኣቖጢዑ ኢዩ።
ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ፕሬዚደንታት-ነበርን ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ፀፍሕታት ዝርከቡ ኣሜሪካውያንን ነቲ ኣብ መበል 81 ዓመቱ ዝሞተ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝነበረ ጆን ማኬይን ውሒዙ።
እቲ ኣብ ናይ 2008 ናይ ኣሜሪካ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ንማኬይን ዝሰዓረ፡ ፕሬዚደንት-ነበር ባራክ ኣነን ማኬይንን ``ዓቢ ነገር ንምጭባጥ ኣብ መትከል ብምጽናዕ ምቅላስ ሓደ ኣረኣእያ ነይሩና`` ኢሉ።
ኣነ ንማኬይን ከም ``ዓቢ ሓርበኛ`` እየ ዝገልጾ ኢሉ ፕሬዚደንት-ነበር ጆርጅ ቡሽ።
እቲ ብማኬይን ዝተነቕፈ፡ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ትዊት ንስድራቤት ማኬይን ``ጽንዓት ይሃብኩም`` ኢሉ፡ ብዛዕባ ሂወት ማኬይን ግና ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።
ብንጻሩ፡ ብዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ሚላንያ ትራምፕ ማኬይን ``ንሃገሩ ኣብ ምግልጋል`` ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣሞጊሳ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ናይ ማኬይን ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ከምዘይዕደምን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ድማ በቲ ምክትል ፕሬዚደንት ማይክ ፔንስ ክውከል ከምዝኾነን ናይ ኣሜሪካ ናይ ዜና ማዕከናት ንገለ ምንጭታት ብምውካስ ሓቢረን።
ፕሬዚደንት-ነበር ኦባማን ጆርጅ ቡሽን ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ናይ ማኬይን ሂወት ታሪኽ ከቕርቡ ትጽቢታት ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ማኬይን ናይ ሓንጎል መንሽሮ [ካንሰር] ከምዘለዎ ሕክምና ይገብር ከምዝነበርን ይፍለጥ።
እንተኾነ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ዝወስዶ ዝነበረ ሕክምና ከቋርጾ ከምዝወሰነ ስድራቤቱ ገሊጾም።
ብቀዳም ቤት ጽሕፈት ማኬይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማኬይን ኣብ ኣሪዞና ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኢዩ ሞይቱ ኢሎም።ማኬይን ኣብ ኣናፖሊስ፡ ሜሪላንድ ክቕበር ከምዝኾነ ስድራቤቱ ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብኸመይ ኢዩ ክዝከር?
``ኣገልጋሊ ሃገሩ ኢዩ ነይሩ፡ ንዓይ ድማ ዘልኣለም ዝዝክሮ ናይ ቀረባ ዓርከይ ኢዩ ነይሩ`` ኢሉ ፕሬዚደንት-ነበር ጆርጅ ቡሽ።
ባራክ ኦባማ ድማ ዋላ`ኳ መወዳድርተይ እንተነበረ ``ወለዶታት ኣሜሪካን ስደተኛታትን ብሓባር ንዝተቓለስሉን መስዋእቲ ኣብ ዝኸፈልሉ ኣብነታዊ ጉዳያት`` ሓደ ኣጠማምታ ከምዝነበሮም ገሊጹ።
ኣብ ናይ 2008 ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ናይ ማኬይን ምክትል ኮይና ዝተወዳደረት፡ ሳራ ፓሊን ድማ ዓለም ``ሓደ ፍሉይ ኣሜሪካዊ`` ስኢና ኢላ።
ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ድማ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሆ፡ ንማኬይን ``ሓደ ዓቢ ኣሜሪካ ሓርበኛን ንእስራኤል ዝነበሮ ደገፍ ድማ ጨሪሱ ዘይቀየረ`` ብምባል ኣሞጊስዎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ጅስቲን ድማ ናይ ማኬይን ሂወት ኣብ ምግልጋል ሃገሩ ``ንሚልዮናት ኣብነት`` ኢዩ ኢሉ።
መን`ዩ ማከይን?
ኣቡኡን ኣቦሓጉኡን ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ኲናት ቬትናም፡ ማከይን ፓይለት ናይ ኲናት ነፋሪት ኢዩ ነይሩ። ነፋሪቱ ተሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ኲናት ምሩኽ ነይሩ።
ከም ምሩኽ ኲናት ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ስቅያት ኣሕሊፉ።
ኣብ ፖለቲካ፡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ዕሸልን ኣብ ምክልኻል ድማ ኣሜሪካ ልዑል ውጻኢ ኣብ ምክልኻል ክትገብር ድማ ዝድግፍ ፖለቲከኛ ኢዩ ነይሩ።
ማኬይን ናይ 2003 ናይ ዒራቕ ወራር ደጊፉ። ፕሬዚደንት ኦባማ ድማ ኣብ ጉዳይ ሓድሕድ ኲናት ሶርያ ጣልቃ ብዘይምእታዉ ድማ ነቒፍዎ።
ዋላ ከም ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ብምቅዳው ድማ ብዙሕ ኣድናቖት ኣትሪፉ ኢዩ።
ዓሚ፡ ቅድሚ ናይ መንሽሮ ሕማም ከምዘለዎ ምፍላጡ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝነበረ ክትዕ ኣንጻር`ቲ ብኦባማ ኬር ዝፍለጥ ናይ ሕክምና ፖሊሲ ንምልዓል ዝቐረበ እማመ ብምቅዋሙ፡ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ከምዘሕረቖ ይግለጽ።
ማኬይን፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣንጻር ስደተኛታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ዝወሰዶ ስጉምትን ኣትሪሩ ነቒፉ ኢዩ።
ማኬይን ኣብ ዝኣምነሉ ጉዳይ ስጋብ መወዳእታት ዝቃለስ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ሓርበኛ ኢዩን ነይሩ።
ማኬይን ነታ ኩሉ ግዜ ክጭብጣ ዝሕልን ዝነበረ እታ ዝዓበይት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት - ፕሬዚደንትነት - ከይጨበጠ ኢዩ ብሞት ተፈልዩ። እንተኾነ ንሃገሩ ኣሜሪካ ኣብ ምክልኻል ግና ኣይተሓለንን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







