ኣብ ኢራን ይካየድ ኣብ ዘሎ ተቓዉሞ 10 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኢራን ኣንጻር መንግስቲ ይካየድ ኣብ ዘሎ ተቓዉሞ 10 ሰባት ሞይቶም ክብል ተሌቪዥን እታ ሃገር ጸብጺቡ።
"ትማሊ ለይቲ ኣብ ዝነበረ ተቓዉሞ ኣብ ዝተፈላለያ ኸተማታት 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ ዝበለ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ተቓዉሞ ካብ ዝጅመር ናብዚ 12 ዝጽግዑ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሮዉሃኒ እቲ ኩነታት ክረጋጋዕ ከምዘለዎ ጸዊዖም'ዮም።
ኢራናዉያን ድሕነት ሃገሮም ኣብ ሓደጋ ከዉድቑ ዘይኮነ ኣንጻር መንግስቲ ሃገሮም ክቃወሙ ይኽእሉ'ዮም ክብሉ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓሰን ሮዉሃኒ ንኣርባዕተ መዓልታት ንዝተኻየደ ዓመጽ ምላሽ ሂቦም።
ኣብ ካቢኔ ሃገሮም ከምዝተዛረቡዎ፡ ክፍትሑ ዝግብኦም ጸገማት'ኳ እንተሃለዉ ንዝለዓሉ ናዕብታት ግና ዓቕሊ የብልናን ክብሉ ኣጠንቂቖም።
ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት እታ ሃገር ጎንጺ ዝነበረ እንትኾን፡ ዓመጻት ንምልዕዓል ዝዉዕላ ዝነበራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዕጸዋ ተገይሩ'ዩ።
እዚ ግዝያዊ ምክልኻል ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ቴሉግራምን ኢንስታግራምን ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ።
ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ኽፋል ኢራን ዝጀመረ እዚ ዓመጽ፡ ቑጠባዊ ጸገማትን ምኽባር ዋጋን ምኽንያት ከምዝኾነ ብምግባር ይዝረብ። ኣብ ዝኾነ እዋን ግና፡ ኣንጻር ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካህመኒ፣ ፕረዚደንት ሮዉሃኒን ኢራን ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ተርእዮ ኢድ ኣእታዉነት እቲ ቐጠናን ዝቃወሙ ጭርሖታት ብምሓዝ ናብ ፖለቲካ ተለዊጡ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኣብ መወዳእታ ኢራናዉያን ለቢሞም፡ ገንዘብን ሃብትን እናተጓሕጎሐ ግብረ ራዕዲ ንምድጓም ዝዉዕል ከምዝነበረ ተገንዚቦም" ብምባል ኣብ ትዊተር ገጾም ጽሒፎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓሰን ሮሁሃኒ ንርኢቶ ትራምፕ ነቒፎም።
"እዚ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ሰብኣይ፡ ዜጋታት ኢራን ራዕዳውያን'ዮም እናበለ ንኣዋርሕ ክኸስስ ከምዘይጸንሐ ሕዚ ንሃገርና ዝሓለየ ይመስል" ክብሉ ምላሽ ሂቦም ፕረዚደንት ኢራን።
"እዚ ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ጸላኢ ኢራናዉያን ዝኾነ ሰብ፡ ሕዚ ኢራናዉያን ንምሕጋዝ ከምስል የብሉን" ክብሉ'ዉን ወሲኾም ገሊጾም።
ዜጋታት ኢራን፡ "ኩነታት እታ ሃገር ከመሓይሽ ብዝኽእል መልክዑ፡መንግስቲ ሃገሮም ክነቕፉ ኾነ ክቃወሙ ናጻ'ዮም" ክብሉ ገሊጾም። ካብዚ ሓሊፉ ኢሎም እቶም ፕረዚደንት ንመንግስቲ ዝቐርብ ነቐፌታ ካብ ናዕብን ንብረት ምዕናዉን ዝተፈለየ'ዩ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ተቓዉሞ ከምዝወዓለ ብምስልን ፎቶን ዝገልጹ መረዳእታታት ኣብ ኢንተርኔት ይጥቅዑ ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







