ኢንዶኔዥያ፡ ሬሳ ህጻን ክወስዱ ሆስፒታል ዘጻበቡ ሞተረኛታት

ምንጪ ስእሊ, RSUP M Djamil
ብምኽንያት ዘይተኸፈለ ሕሳብ ካብ ሆስፒታል ከይወጽእ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሬሳ ሓደ ህጻን ንቤተሰቡ ክርከብ ብምጥላብ ነቲ ሆስፒታል ዘጨናነቑ ሞተረኛታት፡ ነቲ ተግባሮም ''ሰባዊ ተልእኾ'' ክብሉ ገሊጾሞ።
ኣብቲ ከባቢ ዝተቐድሐ ምስሊ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ሬሳ ህጻን ኣሊፍ ፑትር ምስ ዝሓቖፈ ሰብኣይ፡ ካብቲ ሆስፒታል እንትወጹ የርእይ።
ኣብ እስልምና ሰብ ምስሞተ ቀልጢፉ ቀብሪ ክፍጸም ኣለዎ።
እንተኾነ፡ እቲ ሆስፒታል ኤም ጃሚል ግን ወጻኢታት እቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዝዕድሚኡ ህጻን ኣሊፍ እንተዘይከፊሎም ወሲዶም ከምዘይቐብርዎ፡ ንቤተሰቡ ነጊርዎም።
ነዚ ዝሰምዑ ሞተረኛታት እቲ ሆስፒታል ነቲ ሬሳ እቲ ህጻን ክወጽእ ንምጥላብ ናብቲ ሆስፒታል ውሒዞም
እቲ ህጻን ወዱ ንሓደ ካብ መሳርሕቶም ስለዝኾነ እዮም ከምኡ ክገብሩ ክኢሎም።
ዋርድያንሳህ ካብቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ሞተረኛታት ሓደ እዩ።
''እቶም ቤተሰብ፡ 25 ሚልዮን ሩፒ (ከባቢ 1800 ዶላር) እንተ ዘይከፊልኩም፡ ነቲ ሬሳ ኣይትወስዱን ክምዝተብሃሉ ምስ ሰማዕና ኢና ነቲ ስጉምቲ ወሲድና'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
''እቶም ኣባላት ጸጥታ ክኽልክሉና ፈቲኖም ነይሮም፡ ግን ብዙሓት ስለዝነበርና ሂቦሙና'' ኢሉ።
ነቲ ኩነታት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተቓልሐ፡ ሕክምናዊ ወጻኢታት ክኸፍሉ ዘይክእሉ ቤተሰባት ክተኣናገዱሉ ዝግበኦ መገዲ ኣመልኪቱ ከም ብሓዱሽ ክርክር ተላዒሉ እዩ።
ተመሳሳሊ ተርእዮታት ኣብ ብዙሓት ትካላት ጥዕና እታ ሃገር ተራእዩ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ።

ነዚኦም ዓይነታት ጸገማት ክፈትሕ ዝተብሃለሉ ሕክምናዊ ውጥን እኳ ተጀሚሩ እንተኾነ፡ ብሕጽረት ፋይናንስ እኹል ግልጋሎት ከምዘይህብን ብዙሓት ድኻታት'ውን ከምዘይምዝገቡን ይግለጽ።
ኣዶ እቲ ህጻን፡ ደዊ ሱርያ፡ ኣብቲ ሕክምናዊ ውጥን ናይ ምምዝጋብ ከይዲ ጀሚሮም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ መንጎ ግን ኣሊፍ ከምዝሓመመን ትገልጽ።
መጥባሕቲ ተገይሉ ነይሩ፤ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሞይቱ።
''እቲ ሆስፒታል እቲ ወጻኢ ክንከፍል ደልዩ፤ ነቲ ከይዲ ድማ ኣጓቲቶምዎ'' እትብል ሱርያ ዳሓር ግን እቶም ዝተቖጥዑ ሞተረኛታት ብሓይሊ ከምዝወሰድዎ እናነብዐት ትዛረብ።
እቲ ሆስፒታል ድማ ነቲ ተግባር ይቕረታ ብምሕታት ካልኣይ መዓልቲ ከምዘይድገም ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Halbert Caniago
ዳይረክተር ዩሲርዋን የሱፍ፡ እቲ ወጻኢታት እቲ ህጻን በቲ ቦርድ እቲ ሆስፒታል ከምዝተሸፈነን እቲ ኣጋጣሚ ብዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረን ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ኩነታት እቶም ስድራ ድሕሪ ዘቕረብዎ ቕረታ ከምዝፈለጡን እቶም ሞተረኛታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ግን ኣግባብነት ዘይብሉን ሓደገኛ ምዃኑን ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







