ሉሲ ግራንስቡሪ፡ 'ሃካይን ኩርዕትን' ኣውስትራልያዊት

ሉሲ ኣብ ዓራታ

ሃካያት ብዙሕ ጊዜ ክዋረዱን ክጽረፉን እዩ ዝስማዕ። ሉሲ ግራንስቡሪ ግን ብሃካይነታ እትኾርዕ ፈላመይቲ እያ። ሓደ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ ንዓኣ ይሕግዝ። ብኸመይ ኮይኑ?

"ኣብ ድራማ ኣይዋሳእን። ምክንያቱ'ውን ኣይኸውንን" ትብል ሉሲ ብዛዕባአን ብዛዕባ ከምኣ ዝኣመሰሉ ሃካያት [ሰነፋት] ሰባትን ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ።

ዝተለመደ ድዩ?

ከም ልሙድ፡ ገለ ስራሕ ዘይሰራሕኻ መሲሉ እንተተሰሚዑካ፤ ናይ ጥፍኣተኝነት ስመዒት እዩ ዝወረካ።

እንተኾነ ገለ እዋን ደጊምካ ክትሓስበሉ ይገብረካ እዩ። ሉሲ ጓል ሜልሮን ኣውስትራልያዊት ተዋሳኢት እያ።

ንዓኣ፡ ትህኺት ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝርድኡዎ ኣይኮነን። ገለ መጽናዕትታት ድማ ነቲ ናታ መርገጺ ይድግፉ።

"ሃካይ ምዃን ከምቲ ንስኹም እትሓስቡዎ ሕማቕ ኣይኮነን" ትብል።

ሉሲ

"ሃካያት ሰባት ክብሪ እዩ ዝግበአና። ናብቲ ዝድለ ነጥቢ ንምብጻሕ ሓጺር መገዲ ኢና ንእልሽ። እቲ ካልኦት ዝኸድዎ ዙርያ-ጥምጥም መንገዲ ድማ ኣይንጓዓዞን" ትብል ሉሲ።

ብርግጽ ሃካይ ምዃን ብኣወንታዊ ጎኑ ክለዓል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ሉሲ ግን፡ ሃካይ ምዃን ብጽቡቕ መልክዑ ክረአ ኣለዎ እያ ትብል።

ካብ ባህሪኣ ተበጊሳ፡ "ሃካያት ሰባት ዝረብሕን ዘይረብሕን ክንሰርሕ ጊዜና ኣይነጥፍእን" ትብል።

ጉልበት ቆጠብቲ ኢና'ውን ትብል።

እቲ ክስራሕ ዝተደለየ በቲ ዝተለመደን ዝሰለቸወን መገዲ ዘይኮነስ፡ ብኻሊእን ዝሓጸረ መገድን ክንሰርሖ ንደሊ ዝብል እምነት እዩ ዘለዋ ።

ንዚ ድማ እዩ፡ ሃካያት ክብሪ ከም ዝግበኦም ተጠሊዓ ትዛረብ።

line

"ሃካይ ምዃንን ጭኑቅ ምዃንን ምርጫ እዩ"

ሉሲ ኣብ ሶፋኣ ግድም ኢላ

ሃካያት ፤ ዝገብሩዎም ገለ ዕዮታት ከም ኣብነት ትጠቅስ።

ንኣብነት፡ 'ሻወር' ዘጽርዩዎ ሸዑ ንሽዑ እንትሕጸቡ እዩ።

ዝጠልቀዩ ነገራትን ጸጉርን ብመድረቒ ክነቕጹ ምግባር፤ ዓራትካ ኣብኡ እናሃለኻ ከይተሳእካ ምንጻፍ።

ብርግጽ እዚኦም ድኽመታት 'ዶስ ውጽኢታዊ ዝበሃሉ እዮም?

line

ሃካይነት- ምንጪ ምህዞ

ሉሲ ካብ ምህካይን ካብ ስንፍናን ብምብጋስ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከም መሳለጢ ኮይኖም ከምዝተመሃዙ ትኣምን።

ዕንክሊልን መዘወር ጎማ[wheel]ን ሓደ እዩ። እዚ ቅድሚ ምፍጣሩ፡ብዙሓት ነገራት በቶም 'ብርቱዓት ሰራሕተኛታት' ዝበሃሉ ሰባት ደፊእካን ተሸኪምካን እዮም ዝንቀሳቐሱ ነይሮም።

እምበኣር መዘውር፡ ከበድቲ ነገራት ብቐሊል ጉልበትን ንእሽተይ ጊዜን ስራሕቲ ንምስላጥ ብሃካያት ዝተምሃዘ እዩ።

ቴሌፎን ዝተምሃዘ ካብ ትህኺት ዝነቐለ እዩ። ካብ ሓደ ገዛ ናብ ካሊእ ገዛ ሰለይ እናበልካ ውዒልካ፡ "ዳሕና'ዶ ሓዲርኩም?" ኢልካ- ከምዚ 'ያ ደሊና-ኢልካ መልእኽቲ ክበጽሕ ምግባር፤ ልሙድን ዝሰልቸወን መገዲ እዩ ነይሩ።

ዝሓጸረ መንገዲ ክእለሽ ነይሩዎ። ቴሌፎን ከኣ ተምሂዙ።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ ሓደ ጫፍ ዓለም ናብ ካሊእ ጫፍ ዓለም ብኣካል ምጉያይ ከየድለየ፡ ብስልኪ ምርካብ ተኻኢሉ።

እዚ እትብልን እትኣምንን ግን ሉሲ ጥራሕ ኣይኮነትን።

ወናኒን መሃዝን ማይክሮሶፍት ዝኾነ ቢል ጌትስ [ሓደ ሃብታማት ዓለምና] ፡ ሓደ ዓብይ ስራሕ ቀልጢፍካ ንምዕዋት ካብ ንፉዕ ሰብ ሃካይ ሰብ ከምዝመርጽ ተዛሪቡ ነይሩ።

"እቲ ሃካይ፤ ነታ ስራሕ ቀልጢፉ ዝውደአላ ቀሊል መገዲ ክእልሽ እዩ" ኢሉ ነይሩ። ንብዙሓት እዚ አበሃህልኡ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ ጸኒሑ።

ትህኺት- ኣእምሮ ዝበለጸ ክሰርሕ ይገብር

ሓደ ኣፍራዪ ሰብ ንሃካይ ሰብ እንትዛረቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለዚ ሉሲ ልክዕዶ ትኸውን? ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ማሱድ ሑሴን ፡ ዘካየዶ ምርምር ከም ውጽኢቱ፤ ሃካይ [lazy] ኣእምሮ ዝበለጸ ነገር ንክሰርሕ ከምዘኽእል ኣረጋጊጹ። እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ ድማ ንሉሲ ዝድግፍ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ።

ኣብ መንጎ ሃካያትን ዘይሃካያትን፡ እዩ እቲ ፈተነ ተኻይዱ።

እቲ ፈተነ ድማ፡ ዝተነቓቕሑን [motivated] ዝሕቱላትን [apathetic] ከምኡ ድማ ማእኸላይ ስምዒት ዘርአዩ ብዝብል ባህሪ እዩ መዲቡዎ።

ነቲ ዝዘርግሖ መሕትት፡ ዝተውሃቡ ምላሻት በዚ ዝስዕብ መገዲ ወዲብዎም።

እቲ ፈተነ፤ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ገይሮም ሓደ ነገር ክገብሩ'ሞ፡ ሽልማት ንክረኽቡ ዝሓትት እዩ ነይሩ።

እሞ'ኸ እቲ ውጽኢት እንታይ ኮነ......?

ኣብ ሶፋ ኾይኑ ቢራ ሒዙ ቲቪ እንትርኢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ውጽኢት ግልጺ እዩ ነይሩ። እቶም ሃካያት [ሰነፋት] ነቲ ሽልማት ክረኽቡ ክብሉ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዳርጋ ኣይነበረን።

ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ግን እቶም ሳይንቲስት ካሊእ 'መስደመሚ' ውጽኢት ባህሪ ኣእምሮ እዮም ረኺቦም።

ተመራማሪ 'ኮግነቲቭ ኒውሮ ሳይንስ' ዝኾነ እዚ ፕሮፌሰር ሑሴን ከምዚ ኢሉ ደምዲሙ።

"ናይቶም ዝሕቱላት ኣእምሮ ካብ ናይቶም ዝተነቓቕሑ ኣእምሮ ዝተፈለየ ኮይኑ ረኺብናዮ። ብቕርጺ ግን ኣይኮነን። እቲ ውሳነ እንትህቡ ኣእምሮኦም ብዘርአዮ መጠን ንጥፈት" ኢሉ።

እቲ ሳይንቲስ ዝገርም ዝበሎ ውጽኢት፡ "እቲ ዝገርም፡ ኣብ'ዚ ኩነት፡ ናይቶም ዝሕቱላት ኣእምሮ ካብ ናይቶም ዝተነቓቕሑ ዝሐሸ ንጡፍ ኮይኑ ረኺብናዮ" ክብል ገሊጹ።

እቶም ዝሕቱላት፤ ነቲ ተግባር ክፍጽሙን ንከይፍጽሙን ኣእምሮኦም ላዕልን ታሕትን ይብል ነበረ።

እዚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምፍጻም ዝወጽእ ጉልበት፡ ምስቲ ዝተብሃለ ሽልማትከ ዝግባእዶ ይኸውን ኢሉ- ይዛውን ነይሩ።

እዚ ምሕሳብ ንዓርሱ፡ ካብቲ ተነቓቒሖም ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ዘለዉ ዝመስሉ ዝበለጸ 'ምበር ዝነኣሰ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

እዚ ንምግባር ድማ፡ ካብቶም ተነቓቒሖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ንላዕሊ ናይቶም ዝሕትል ዝበሉ ሰባት ኣእምሮ ዝለዓለ ኦክሲጅን፡ ኣቃጺሉ ተረኺቡ። ኣየናይ ኣእምሮ እዩ ዝበለጸ ንቑሕ ነይሩ ማለት እዩ?

ናይ ሓደ ሰብ ኣእምሮ 'ኒውሮንስ' [መትናዊ ዋህዮ] እንትነጥፉ፡ ብዙሕ ኦክሲጅን ይቓጸል።

ብዙሕ ኦክስጅን ኣብ ኣእምሮ ምቅጻል፡ ናይ ሓደ ኣእምሮ ናይ ምሕሳብን ምውሳንን ዓቐን መለክዒ እዩ።

እሞ ደኣ፡ ከመይ ገይሩ እቲ ብዙሕ ኦክስጅን ዘቃጸለ ናይዞም ዝሕቱላት ኣእምሮ፡ ሰነፍ ከበሃል ዝብል ዓብይ ሕቶ ፈጢሩሎም።

ብኸመይከ ኣሉታዊ ባህሪ ገይርካ ክረአ?

'ስረጸት'

ክዳውንታ ብግቡእ ክጠትርንፍ ዘይከኣለት ኣብ ሶፋኣ ግድም ኢላ ንዝረኸበታ ሃካይ መናብርታ እትቑጣዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክዳውንታ ብግቡእ ክጠትርንፍ ዘይከኣለት ኣብ ሶፋኣ ግድም ኢላ ንዝረኸበታ ሃካይ መናብርታ እትቑጣዕ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝኾነት ካትሪን ካርር፡ ንምንታይ ደኣ ዓለም መመላእታ 'ትህኺት' ከም ኣሉታ ይምልከቶ ኢላ ንገለ ሓቲታ።

ሓደ ንጎሆ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ሓደ ልሙዕ ፓርክ ቅርጻ ንምሕላው ከም 'ፑሽ-ኣፕ' ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትሰርሕ ንዝረኸበታ ሰበይቲ 'ንምንታይ?" ክትብል ሓቲታ።

"ኣብ ገዛይ ኣብ ዓራተይ ትህኺት ከይስመዐኒ ኢለ እየ ናብዚ ገስጊሰ መጺአ፡ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ። መታን ብሩህ መዓልቲ ክውዕል ይሕግዘኒ" ዝብል ምላሽ ሂባታ።

ንምንታይ ደኣ ኣብ ዓራት ክትጸንሕ እናተሰመዓ ከም 'ትህኺት' ቆጺራቶ?

ካትሪን ካሊእ ስብኣይ ድማ ኣዛሪባ። "ካብ ብህጻንና ጀሚሩ እናተነገረና ዝመጽአ ኢና ንኸውን" ኢሎምዋ።

"ብሕልናዊ ፍርዲ ጌጋ እዩ። ንሱ እዩ ሰሪጹና መጺኡ። 'ኩሉ ግዘ ገለ ዝተለምደ ክትሰርሒ ኣለኪ'፤ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ጸገም ከምዘለካ እዩ፡ ክዝረበና ጸኒሑ፤ ብወለዲ ኮነ በቲ ማሕበረሰብ። ንሱ እዩ ናብ ዓወት ዝወስድ ተባሂልና" ኢሎምዋ።

ኣብቲ ልምምድ ርሂጻን ደኺማን ዝረኸበታ ካሊእ ዓባይ ሰበይቲ ድማ ኣዛሪባ፡ ንዓኣ ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲታታ።

"እቲ ማሕበረሰብ፡ ትህኺት ከም ኣሉታን ሕማቕን እዩ ዝቖጽሮ። ቆልዑ ኮይንና ደቂስካ ምርፋድ ኣይፍቀደልናን ነይሩ። ኣብ ገዛና ከም ሕማቕ ባህሪ እዩ ዝቁጸር። ስድራይ ኣንጊሆም ክለዓሉ እየ ዝርኢ። ገስጊስና ተልዒልና ገለ ንሰርሕ ነይርና" ዝብል መልሲ ሂባታ።

'ገበናዊ ትህኺት'

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዘምህር ሓደ ተመራማሪ ድማ፤ ብፍላይ ቅድም ክብል ትህኺት ከም ገበን ይቑጸር ከምዝነበረን ብዙሓት ሃካያት ከምዝተቐጽዑን የረድእ።

ከም ኣብነት ኣብ ሶቭየት ሕብረት ሃካይ ሰባት ብስቅላት ይቕተሉ ምንባሮም የዘንቱ።

ስሙይ ገጣሚ ዮሴፍ ብሮድስካይ፡ ሶቭየት ሕብረት እንትለቅቕ፡ "እንታይ እዩ ስራሕኻ/ሙያኻ?" ተባሂሉ ተሓቲቱ።

"ገጣሚ እየ" ዝብል ምላሽ ሂቡ። ነቶም ደያኑ ኣይተውሓጠሎምን፤ ብርቱዕ ስራሕ ናብ ዘለዎ ዓዲ ክባረር ተፈሪድዎ።

ካብኡ፡ ግጥሚ ናብ ዘይፍንፈነሉ ዓዲ ሃዲሙ ወጺኡ። ሓደ እዋን ብስነ ጽሑፍ ተሸላሚ 'ኖቤል ሎሬት' ኮይኑ ድማ ኣብ ዓለም ስሙ ጎሊሁ።

'ናይ ኣእምሮ ጥዕና እዩ'

እነን ጓልን ተሲጠን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እነን ጓልን ተሲጠን

እዚኦምን ወዲ'ዚኦምን ፡ ሉሲ ሓደገኛ ሕብረተሰባዊ 'ዕስላዊ' ኣተሓሳስባ ትብሎም።

ንጥዕና ኣእምሮ ድማ ሓደገኛ ጠንቂታት እያ ትብሎም።

"ንዓርስኻ ካብ ዓለም ፈላሊኻ ጽምዋ ምረጽ። ኣእምሮካ ዕረፍቲ ሃቦ። ንኣካለትካ'ውን ከምኡ። ኣይተጨንቆ። ስልም ከም ምባል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ሶፋኻ ግድም ኢልካ ከም ምጽናሕ" ክትብል ተብርህ።

እዚ ንሉሲ፡ ብፍላይ ነዚ ወለዶ ዓብይ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ ጥዕና ኣእምርኡ ክግደስ ይግባእ።

"እኹል ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ውሰድ፤ ንገለ ሰባት ትህኺት እዩ። ናዕካ ግን ጥዕና እዩ። ናይ ኣእምሮ ጥዕና" ትብል።

ግበር ተባሂልካ ምበር፡ እቲ ኣእምሮኻ ኣጨኒቕካ ትሰርሖስ ክንድቲ ክትጥቀመሉ ዝግባእ ኣይኮነን- እያ ትብል።

"ን60 ዓመታት ሰሪሕኻ፡ ንመስርሒ ገዛ ዝተለቃሕኻዮ ዕዳ'ውን ክትከፍል ኣብ ዘይትኽእለሉ ዘመን ኢና ዘላና"

ስለዚ ድማ- ግበር ስለዝተብሃልካ- ሕብረተሰብ ስለዘልመደካን ጥራሕ ፈሓዅ እናበልካ ኣይትውዓል እያ ትብል።

ሉሲ ሃካይ ተባሂላ ከይትጽረፍን ከይትዋረድን ኣይትሰግእን ጥራሕ ዘይኮነስ ሰባት ከምኣ ሃካያት ክኾኑ ትምዕድ-ምእንተ ጥዕና ኣእምሮኦም።

[እዚ ጽሑፍ 'The Why Factor' ካብ ዝብል መደብ ቢቢሲ ወርልድ ራድዮ ዝተወስደ እዩ]