ስሪላንካ፡ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ፡ ዓይነት ስራሕ ሓናቓይ፡ ብዝሒ ክልተ

ነዚ ተግባር መንግስቲ ሰሪላንካ ዝቃወሙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ስሪላንካ፡ ብቤት ፍርዲ ንዝተወሰነሎም ኣብ ምሕናቕ ዝሰርሑ ክልተ ሰባት ቆጺራ።

ስሪላንካ ከምዚ ክትገብር ኣብ ውሽጢ 43 ዓመታት ንመጀመርታ ኮይኑ፡ ነቶም ብምዝውዋር ዕጸ ፍርስ ተኸሲሶም፡ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ 4 ሰባት ክሕነቑ ቤት ፍርዲ ውሳነ ስለ ዘሕለፈ፡ ነዚ ከተግብሩ እያ ነዞም ክልተ ሰባት ቆጺራቶም።

ነዚ ናይ ክልተ ሰባት ናይ ስራሕ ቦታ ንምርካብ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተወዳደሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ተወዳደርቲ፡ ካብ 18-45 ዓመቶም ምሉእ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ዘለዎም ክኾኑ ከም ዘለዎም'ዮ እቲ ቅጥዒ ዝጠልብ።

ኣብ ሞንጎ ነዚ ስራሕ ዘመልከቱ፡ ክልተ ኣሜሪካውያንን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝርከብዎም ብመንግስቲ ስሪላንካ እትውነን ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ሓቢራ።

ነዚ ተግባር መንግስቲ ሰሪላንካ ዝቃወሙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወሃቢ ቃል ቤት ማእሰርቲ ስሪላንካ፡ እዞም ነዚ ስራሕ ዝተሓረዩ ክልተ ሰባት ክልተ ሰሙን ዝወስድ ናይ መወዳእታ ናይ ልምምድ እዋን ከም ዝህልዎም ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስሪላንካ ሓነቐቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክልተ ሰባት፤ እቲ ሓደ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ስራሕ ብፍቃዱ ክሰናበት እንከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተቆጸረ ኮይኑ 'ክሰርሕ ድሌት ዘይብሉ' ተባሂሉ ተሰናቢቱ።

ስሪላንካ፡ ኣብ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝተረኸቡ ብማሕነቕቲ ክቅጽዑ ዝእዝዝ ሕጊኳ እንተለዋ፤ ካብ 1976 ንነጆ ብማሕነቕቲ ቀጺዓ ኣይትፈልጥን'ያ።

መግለጺ ቪድዮ, ስሪላንካ ኣብ ሓዘን ቀንያ