ፊሊፕንስ፡ ንጉጅለ ዳዕሽ ቦምባታት ክሰርሕ ዝተገደደ ካቶሊካዊ ካህን

ፋዘር ቺቶ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

Presentational white space

ኣብ 2017፡ እስላማውያን ዕጡቓት ንከተማ ማራዊ ናይ ፊሊፒንስ ወሪሮም ድሕሪ ምሓዝ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ተቖጻጺሮማ ነይሮም። ሓደ ካብ`ቶም ዝኣሰርዎም ሰባት ድማ ካቶሊካዊ ካህን ፋዘር ቺቶ`ዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም እንከሎ ድማ ብመግረፍትን ምፍርራሕን ነቶግቲ ንኽሰርሕ ኣገዲዶሞ። እዚ ተሞክሮ`ዚ ኣሰንቢድዎ`ዩ፡ ገና ግን ክርስቲያንን ኣስላምን ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ተስፋ ይገብር።

ሓደ ምሸት ኣብ እዋን ድራር፡ ኣስታት 20 ሰባት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት [በይዝመንት] ናይ መስጊድ-ባቶ ተኣኪቦም ድራር ክበልዑ ይቀራረቡ ነይሮም። ኣብ ሓደ ሸነኽ ናይ`ቲ ጠረጴዛ 15 ጅሃዳውያን ዕጡቓት ተቐሚጦም፡ ኣብ`ቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ፋዘር ቺቶን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣመንቲ ክርስትናን ተቐሚጦም ነይሮም።

ብሃንደበት ቶኽሲ ምስተኸፍተ ድማ ግብረ-መልሲ ክወስዱ ተጓይዮም። ፋዘር ቺቶ ኣብ እግሩ ንዝነበረት ካላሽን ኣልዒሉ ኣብ`ቲ ሓደ ሸነኽ ናይ`ቲ ጠረጴዛ ናብ ዝነበረ ጂሃዳዊ ዕጡቕ ወርወራ። እቲ ጂሃዳዊ ዕጡቕ ነታ ካላሽን ዓትዒቱ ናብ ልዳት ናይ`ቲ መስጊድ ከይዱ ንቶኽሲ ተዳለወ።

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ግን እቲ ቶኽሲ ካብ`ኣቶም እናርሓቐ ስለ ዝኸደ ኩሎም ነናብ ዝነበርዎ ቦታ ተመሊሶም ተቐሚጦም። እቲ ኩነታት ድማ ናብ ንቡር ተመሊሱ።

ኣብቲ እዋን ፋዘር ቺቶ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ጅሆ ተታሒዙ ነይሩ። ነቶም ጅሆ ሒዞሞ ዝነበሩ እፈትዎም`የ`ኳ እንተዘይበለ፡ ንሱ "ሰብኣዊ ምትእስሳር" ኢሉ ዝገልጾ ኩነታት ግን ምስኣቶም ኣማዕቢሉ ነይሩ። ሓቢሮም ዝምገቡን ዝሰርሑን ንእሽቶ ማሕበረሰብ ኮይኖም ነይሮም። ሓደ ካብ`ቶም ጂሃዳውያን ኣብ እዋን ግጥም ምስ ሰራዊት ፊሊፒንስ ከም ዝተቐትለ ምስ ሰምዐ ሓዚኑ ነይሩ።

ዓቢይ መስጊድ ማራዊ ብሓዊ እናተቓጸለ ሰነ2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፋዘር ቺቶ እቶም ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ብ23 ግንቦት 2017 ንከተማ ማራዊ ምስ ከርደንዋ፡ ንጽባሒቱ`ዩ ጅሆ ተታሒዙ።

ቅድሚ`ዛ መዓልቲ`ዚኣ፡ ማራዊ ነዋህትን ጽዕቕ ዝበሉ ኣባይትን ዘጊጹ መሳጊድን እትውንን ጽብቕቲ ከተማ`ያ ነይራ። እዛ ኣብ ደቡባዊ ናይ`ታ ብብዝሒ ኣመንቲ ካቶሊክ እትዕብለል ፊሊፒነስ እትርከብ ደሴት ሚንዳኖ እተደኮነት ከተማ ማራዊ፡ መብዛሕትኦም ነበርታ ኣመንቲ ምስልምና`ዮም።

ሃይማኖት ምስልምና ካብ ማእከላይ ምብራቕን ደሴታት ማለይ ኢንዶነዢያን ዝመጹ ነጋዶ ኣቢሉ`ዩ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ናብ ደቡባዊ ፊሊፒንስ ኣትዩ። ሚሲዮናውያንን መሳጊድን ድማ ስዒቦም፡ እቶም ሃይማኖቶም ዝለወጡ ድማ ዓሌት ሞሮ ተባሂሎም ይፍለጡ።

እቶም ሃይማኖት ካቶሊክ ሒዞም ዝመጹ ስጳኛውያን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ንፊሊፒነስ ጎቢጦም ሒዞም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ከእትውዋ ከለው፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ፊሊፒነስ ዝርከብ ህዝቢ ሞሮ ግን ኣብ ግዝኣቶም ከእትውዎ ኣይከኣሉን።

ካብ ሽዑ ንነጀው ግን፡ ብዙሓት ኣብ ደቡብ ዝርከቡ እስላም ተነጽሎ ከምዝገጠሞም ይዛረቡ። እቲ ዞባ ኣብ`ታ ሃገር ካብ ዝርከባ ዞባታት እቲ ዝደኸየ ኮይኑ፡ ካብ`ታ መደበር ኣመንቲ ካቶሊክ`ያ እትበሃል ሃገር፡ ርእሰ-ምሕደራ ክወሃባ ድማ ጠለባት ክቐርቡ ጸኒሖም`ዮም።

ፋዘር ቺቶ ኣብ መንጎ ክርስቲያንን ኣስላምን ምርድዳእ ንኽፈጥር ቅድሚ 23 ዓመት ናብ ከተማ ማራዊ ምስ ተላእከ፡ መብዛሕትኦም ነበረቲ ናይ`ታ ከተማ ንዕኡን ብጾቱን ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞም። ቀቅድሚ`ቲ ክርደና ናይ`ታ ከተማ ዝነበራ ኣዋርሕ ግን ክሻቐል ጀሚሩ ነይሩ።

ኣብ 2016፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክመሃሩ ዝጸንሑ ዓሌት ማውተ ዝኾኑ ክልተ ኣሕዋት ናብ ትውልዲ ከተማኦም ዝኾነት ኣብ ደቡባዊ ማራዊ እትርከብ ቡቲግ ተመሊሶም፡ ናይ እስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ዝዓይነቱ ምስልምና ክሰብኩ ጀሚሮም፡ ኣስታት 200 ሰዓብቲ ብምጥራይ ድማ ንሰራዊት መንግስቲ ከጥቅዑ ጀመሩ።

ኣብ 2017፡ እቶም መጥቃዕትታት ናብ ከተማ ማራዊ እናቐረቡ ከይዶም። ካብ ኢንዶነዢያን ማለዢያን ዝመጹ ተዋጋእቲ ነቲ ቁጽሮም ኣዕብዮሞ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ድማ ኣቡ ሰያፍ ወይ ከኣ "ጸዋሪ ናይ`ቲ ሴፍ" ዝተባህለ ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ዝነበሮ ጉጅለ ኣብ`ታ ከተማ ተቐልቂሉ።

ከተማ ማራዊ ንምኽርዳን ድማ እቲ መድረኽ ድሉው ኮነ።

100 ሽሕ ሰባት ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢታት ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን፡ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢታት ይርከቡ

ሓደ መዓልቲ፡ ፋዘር ቺቶ ኣብ ቀትሪ ሓጺር ድቃስ ደቂሱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝሰምዖ ቶኽሲ ምስ ተበራበረ፡ ኮምፒዩተሩ፣ ታብለቱን ተንቀሳቓሲት ቴለፎኑን ካብ ኣስላምን ካቶሊክን ፈተውቱን ዝተላእኩ መልእኽትታት ዝሕብሩ ድምጽታት ኣቃልሑ። ኩሎም ድማ "ካብ ማራዊ ውጻእ" ዝብል ሓንቲ ዓይነት መልእኽቲ ነይርዎም።

ንሱ ግን ኣብ ክንዲ ምህዳም ክጽልይ ጀመረ። "ንነብሰይ ከምዚ በልኩዋ፡ 'ኩሉ ኣብ ኢድ ፈጣሪ ስለዝኾነ ኣይወጻን`የ'" ይብል ንሱ።

ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኮነ፡ እታ ከተማ ጸጥ ኢላ፣ እቶም ጎደናታት ጸምዮም፣ መሳኹቲ ኣባይቲ ተዓጽዮም መብራህትታት ድማ ጠፊኦም። እቶም ዕጡቓት ነታ ጸላም ባንዴርኦም ኣብ`ቲ ሆስፒታል ሰቒሎማ። እታ መደበር ፖሊስ ድማ ትነድድ ነይራ።

ብድሕሪ`ዚ እቶም ጂሃዳውያን ኣብ ልዳት ናይ`ታ ካቴድራል ደበኽ በሉ። ፋዘር ቺቶ ናብ`ቲ ልዳት ገጹ ክመጽእ ዝረኣኣይዎ ክልተ ዕጡቓት ብረቶም ኣወጣወጡ። ብድሕሪ`ዞም ክልተ ሰባት ግን ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ዕጡቓት ረኣየ።

ምስ ሓሙሽተ ብጾቱ ድማ ብሓይሊ ኣብ ድሕሪት ናይ ሓንቲ ዕጽውቲ መኪና ተጻዒኖም ተወሲዶም። እቶም እስላማውያን ሃይማኖቶም እናሰበኩ ድማ ምሉእ ለይቲ ኣብ`ታ መኪና ሓዲሮም።

"ምሉእ ምሸት ሰቢኾምና፡ 'ንማራዊ ከነንጽህ ኢና መጺእና። እስላማዊት ከተማ`ያ ትበሃል፡ ኣብ`ዛ ከተማ ግን ሓሽሻት፣ ብልሽውና፣ ወይኒን ሙዚቃን ኣለዉ። ካሊፌታዊ ምምሕዳር ክንምስርት ኢና መጺኣና' ኢሎሙና" ይብል ንሱ።

መስጊድ ባቶ (ጥቅምቲ 2017)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፋዘር ቺቶ ተታሒዙሉ ዝነበረ መስጊድ

እንተኾነ ግን ኣሽሓት ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ብዘለዎ ሓይሊ ክመሓደሩ ዘይደልዩ በርጌሳውያን ኣብ`ታ ከተማ ተቐርቂሮም ነይሮም። ኣብ`ተን ቀዳሞት መዓልታት ናይቲ ክርደና ሕንፍሽፍሽ ነይሩ።

ክሃድም ዝደሊ ግን ከኣ ኣብ`ቲ ዝነበረ ምልውዋጥ ቶኽሲ ግዳይ ከይከውን ሰጊኡ ኣብ ገገዝኡ ዝተሓብአ ህዝቢ ነይሩ።

ቶንግ ፓካሱም ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ`ታ ከተማ ኣብ ስራሕ ነይሩ። ስርሑ ምዕልቕላቕን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ምስ ዘጋጥም ምሕጋዝ`ዩ ነይሩ። እቲ ግርጭት ምስ ኣጋጠመ ድማ ቴለፎኑ ክትድውል ጀሚራ።

"እታ ናይ ፈለማ ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒት ምስ ተቐበልና፡ ንኽወጽእ ፈሪሐ ነይረ፡ ምኽንያቱ ሓንሳብ እንተ ደኣ ወጺአ ክምለስ ከምዝኽእል ርግጸኛ ኣይነበርኩን" ይብል ንሱ። "እንተኾነ ግን በቲ ኩነታት ትጉባእ`ሞ ዋላ`ውን ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ከም ትወድቕ እንተፈለጥካ፡ ወጺኣካ ካብ ምሕጋዝ ሓሊፍካ ኣማራጺ ከምዘይብልካ ትርዳእ።"

ካብ ማሕበረሰብ እስላም ናይ ማራዊ ዝተዋጽአ፡ ሓደ ጉጅለ ሒዙ ኣብ ተልእኾ ህይወት ኣድሕን ናብ ዞባ ሕንፍሽፍሽ ኣምሪሖም።

ብኹምራታት ፍርስራስን ዝነዱ ኣባይትን ተጠዋውዮም ኣብ ዝሓልፍሉ ዝነበሩ እዋን መካይኖም ይትኮሰለን ነይሩ። ቶንግ፡ ሻራ-ኣልቦ ምዃኖም ዝሕብርሉ ብልሓት ክፈጥሩ ከምዘለዎም ተገንዚቡ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንዝነበሩ ጸዓዱ ናይ ህንጻ ቆብዓት ድማ ዘከረ።

ሓንቲ ጻዕዳ ናይ ጠረጴዛ ጨርቂ ቀዲዱ ድማ ኣብ ኢዶም ከምዛኣስርዎ ገበረ። እታ ጉጅለ ግን "ነብሰ-ቅትለታዊት ጉጅለ" እያ ተባሂላ ብማዕከናት ዜና ናይ`ቲ ቦታ ተገሊጻ።

ቶንግ ፓካሱም
መግለጺ ስእሊ, ቶንግ ፓካሱም

ፋዘር ቺቶን ካልኦት ሓደ ሚእቲ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ግን ጉጅለ ናይ ቶንግ ክትበጽሖ ካብ እትኽእል ቦታ ርሒቓ`ያ ነይራ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ኣብ`ቲ መዋፈሪ ናይ`ቶም ዕጡቓት ዝኾነ ትሕቲ ምድሪቤት ናይ መስጊድ ባቶ`ዮም ተታሒዞም ነይሮም።

እንተዘይተሓባቢሮም "ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ" ክውሰደሎም ምዃኑ ድማ መጠነቀቕታ ተዋሂብዎም። ፋዘር ቺቶ እቲ ስጉምቲ ምቕጥቃጥ ምዃኑ ኣይሰሓቶን፡ እዚ ድማ ዓቕሉ ጸንቂቑ ኣብ ሓደጋ ከየወድቖ ስለዝሰግአ ድማ ነቶም ዕጡቓት መግቢ ከዳልወሎምን ከጸራርየሎምን ጀሚሩ፡ ዋላ ሕማቕ እናተሰምዖ`ውን ነተጉቲ ክሰርሓሎም ጀሚሩ።

መናድቕ ምንኳል "ህድማ ኣናጹ" ዝርከብዎም ሜላታት ደባይ ተዋጋእቲ ከተማ፡ ነቶም ዕጡቓት ካብ ምትሓዝ ኣድሒንዎም። ሰራዊት ፊሊፒንስ ግን ብትካላት ስለያ ኣሜሪካን ኣውስትራሊያን ተሓጊዙ ዕረፍቲ ዘይብሉ ደብዳባት ኣካይዱ።

ፋዘር ቺቶ ንኣዋድዳ ናይ`ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣጽኒኦዎ። ወትሩ ድማ ነፍሲ ወከፈን ኣርባዕተ ቦምባታት ዝድርብያ ክልተ ነፈርቲ ነይረን፡ እቲ ዳሕራይ ዝተደርበየ ነታጒ ድማ ካብ`ቲ ቐዳማይ ኣብ ዝቐረበ ቦታ ይወድቕ ነይሩ።

ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ሰነ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ እዋን ጂሆ ምትሓዙ፡ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ደብዳባት ነይሮም። ኣብ ገለ እዋን ብደብዳብ ክህረም ይደሊ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ከይህረም ይፈርሕ ነይሩ።

"እታ ትቕጽል ቦምባ ክትቀትለኒ ናብ ፈጣሪ እጽልይ ነይረ" ይብል ንሱ። ቀልጢፉ ድማ ሓሳቡ ይቕይር`ሞ "ኦ ፈጣሪ፡ ኣይፋል፡ ኣይትቕተለኒ፡ ክህረም ኣይደልይን`የ" ኢለ እጽልይ ነይረ ድማ ይብል።

"እንታይ ኢለ ከም ዝጽልይ ዘፈልጠሉ እዋናት ድማ ነይሮም. . . ንፈጣሪ ኤዕዘምዝመሉ ነይረ፡ 'ኣቢሰ እንተኾይነ`ሞ ትቐጽዓኒ እንተሃሊኻ፡ እዚ መቕጻዕቲ`ዚ ኣዝዩ በዚሑ፡ ምስ ኣበሳይ ዝመጣጠን ኣይኮነን'፡ ክሳብ ንፈጣሪ ምውቃስ ዝኣክል እምነተይ ኣብ ፈጣሪ ብሓቂ ተፈቲና`ያ" ድማ ኢሉ።

16 መስከረም ሰራዊት መንግስቲ ናብ`ታ መስጊድ ኣዝዩ ተጸጊዑ ብምንባሩ ፋዘር ቺቶ ነቲ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ ትእዛዛት ይሰምዖ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መሬት ምስ ጸልመተ ንሱን ሓደ ካብ`ቶም ካልኦት ጂሆ ዝተታሕዙን ናይ ምምላጥ ዕድልና`ያ ኢሎም ብምውሳን ብድሕሪት ናይ`ቲ መስጊድ ተጠውዮም ሃዲሞም ከይዶም። ክልተ ጎደናታት ምስ ሰገሩ ግን ብረት ምስ ዘወጣውጡ ሰባት ተራኺቦም፡ ናብ ውሑስ ቦታ ድማ ተወሲዶም።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ፊሊፒነስ፡ እቲ ክርደና ከምዘብቅዐ ኣዊጁ። እቶም ክልተ ኣሕዋት ናይ ማውተ ዝኾኑ ዑመርን ዓብደላን፡ መራሒ ጉጅለ ኣቡ ሰይፍ፡ ኢስኒሎን ሃፒሎን ተቐቲሎም፡ ዝተረፉ ተዋጋእቶም ድማ ተሳዒሮም ተበታቲኖም።

ኣብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ክርደና እዋን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት፡ እታ ከተማ ዓንያ ትርከብ። እቲ ዳግመ-ህንጸት ኣዝዩ ዝሕቱል ብምዃኑ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሰባት ገና ኣብ መዕቆቢ ማእከላትን ምስ ኣዝማዶምን ይነብሩ።

ሓደ ማይል ትርብዒት ስፍሃት ዘለዎ ክፋል ናይ`ታ ከተማ ሕጂ ግራውንድ ዚሮ ወይ ከኣ ኣዝዩ ዝተሃስየ ቦታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መጠን ናይ`ቲ ዕንወት ምስ`ቲ ኣብ ሶርያውያን ከተማታት ራቓን ኣሌፖን ወይ ድማ ዒራቓዊት ከተማ ሞስዑል ምስ ዝወረደ ዕንወት ዝመጣጠን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ህንጻ ዓንዩ`ዩ። መብዛሕትኦም ሓደገኛ ብዝኾነ ኩነታት ተገምቢዮም ወይ`ውን ዑና ኮይኖም ተሪፎም`ዮም።

ምስ ፋዘር ቺቶ ኮይንና ናብ`ታ ንሱ ዝተታሕዘላ ካቴድራል ገጽና እናምራሕና ነታ ከተማ ብመኪና ዜርናያ።

እታ ካቴድራል ዑና ኮይና`ያ። እቲ መናድቓ ብነዃላት ናይ ጠያይት ኣይርአን`ዩ፡ ንኽትፈርስ ድማ ቆጸራ ተታሒዙላ ስለዘሎ ፋዘር ቺቶ ዳግማይ ኣይክርእያን`ዩ።

ፋዘር ቺቶ ኣብቲ ካቴድራል

ኣብ ጥቓ`ቲ ሰደቓ ቁርባን ዘሎ ምስሊ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከብዱ ብጥይት ነዂሉ፣ ኣእዳዉ ተቖሪጹ ብኽንቲት ዝተሰርሐ ኣኽሊል ድማ ኣብ ርእሱ ተሰቒሉ ይርአ። ፋዘር ቺቶ ካባና ፍልይ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ዝተሰባበረ ምስሊ ድንግል ማርያም ብጽሞና ይጽሊይን ይበክይን ነበረ።

ቶንግ ሓደ ካብቶም ኣባይቶም ዝሰኣኑ ሰባት`ዩ። ሃንቲ ተንቀሳቓሲት ገዛ ተዋሂባቶ፡ ኣብ ክንዲ ዝነብረላ ግን ከም መደብር ናይ ዘቖማ መርበብ ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ ገይሩ እናተተጠቀመላ፡ ንሱ ምስ ኣዝማዱ ይነብር።

ዕላማ ናይ`ዛ ዘቖማ ትካል ኣብ`ቲ ሕብረተሰብ እስላማዊ ጥሩፍነት ሱር ንኸይሰድድ ይከላኸል። ሓደ ሰብኣይ ብሬድዮ፡ ን40 ወለንተኛታት መዓልታዊ ጻውዒት ይገብር። ንሳቶም ንዝረኣዩ ምልክታት ጥሩፍነት ብኣግኡ ንዝምልከቶም ሰብ መዚ መንግስቲ ሓበሬታ የመሓላልፉ። በዚ ድማ ከም`ቲ ዝተገብረ ዓይነት ክርደና ዳግማይ ከየጋጥም ንኽከላኸሉ ይትስፈዉ።

እታ ከተማ ኣብ ጥቅምቲ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ከተማ ኣብ ጥቅምቲ 2017

ማራዊ ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ሕብረተሰብ`ዩ፡ ቤተሰባዊ ጽልኢ ድማ ልሙድ`ዩ። ቅድሚ`ቲ ክርደና ኣብ ዝነበሩ ሒደት ዓመታት ጥሩፋት ጉጅለታት ነቶም ኣብ መንጎ ቤተሰባት ዝነበሩ ቅርሕንትታት መዝሚዞም ተዋጋእቲ ክምልምሉ ክኢሎም`ዮም ይብል ቶንግ። ሕጂ ንሱን ብጾቱን ቤተሰባዊ ጽልእታት ከይዓረጉ እንከለዉ የተዓርቑ።

ድሕሪ ዕንወት ናይ`ቲ ክርደና፡ ኩሉ ነገር ጸጥ ኢሉ ይርከብ። እቲ መሓውር ትእዛዛት ናይ`ቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ተዳኺሙ፡ እቲ ኲናት ግን ብዙሕ ዕንወት ስለ ዘስዓበ ሓያል ድሌትን ባህግን ንዕርቅን ሰላም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ግን ዘሻቕሉ ነገራት ክቀላቐሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ምቅልቓል ዕጡቓት እስላማውያን፡ መንእሰያት ኣዋላድ ኣብ መደበር ታዕሊም ጥሩፋት ይኣትዋ ኣለዋ ዝብሉ ጸብጻባት ማዕከናት ዜናን፡ እቶም ዝምልምሉ ኣብ እዋን`ቲ ክርደና ቤተሰቦም ንዝሞትዎም ሰባት ንምልመላ ዒላማ ምግባሮም ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

"ሓደ ዳግመ-ውደባ ክገብር ዝፍትን ንእሽቶ ጉጅለ ኣሎ" ይብል ቶንግ። "ጠንቂ ናይ`ዚ ድማ እቲ ኣብ ማራዊ ዘጋጠመ ኩነታት`ዩ። መነባብሮ ህዝቢ ተሃስዩ`ዩ። እቲ ዳግመ-ምጥያስ ጊዜ እንተወሲዱ፡ ብርግጽ ብዙሓት ሰባት ናብ`ቶም ጂሃዳውያን ክጽምበሩ ክሰድዑ`ዮም"።

ፋዘር ቺቶ ኣብ ማራዊ ምንባር ገዲፍዎ`ዩ። ኣብ`ኡ ምንባር ኣዝዩ ሓደገኛ`ዩ ድማ ይብል። ሳሕቲ ግን ኣብ ቦታ ምውስዋስ ኣካላት [ጂም] ናይ`ቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተደኮነት ጊዜያዊት ቤተክርስቲያን ኮይኑ ከቐድስ ይኸይድ`ዩ። እዚ እቲ እንኮ ብዝሒ ዘለዎም ኣመንቲ ካቶሊክ ውሕስነት ህይወቶም ተኣማምኖም ዝእከብሉ ቦታ`ዩ።

ፋዘር ቺቶ ኣብታ ግዚያዊት ቤተክርስትያን

ፋዘር ቺቶ ሕጂ ኣብ`ቲ ቦታ በዓል ዝና`ዩ፡ ተማሃሮ ድማ ምስ`ኡ ሓቢሮም ንኽሰኣሉ [ሰልፊ ክወስዱ] መስርዕ ይሕዙ። ሕጉስን ብቐሊሉ ዝለዓዓልን ብምዃኑ፡ ዋላ ነቲ ኣዝዩ ዘጨንቕ ክፋል ናይ ተሞክርኡ`ውን ከይተረፈ ብሕጫጨ ይዛረበሉ። ከምኡ ምግባር ነቲ ዘጋጠመካ ሽግራት ናይ ምስዓር ብልሓት`ዩ ድማ ይብል።

"ምቕላድ ንኽብደት ህይወት የቃልለልካ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ`ቲ ዝኸፍአ ጭንቀት ኣይትኣቱን። ነቲ ጭንቀትን ነቲ ዘሕምም ተመክሮን ድማ ሚዛን የትሕዘልካ"።

ፋዘር ቺቶ ገና ፍወሳ [ቴራፒ] ይወሃቦ ኣሎ።

"ተሃስየ`የ፡ ሚዛን ኣእምሮይ`ውን ስሒተ። ብኣካል ምትራፈይ`ኳ ሕጉስ እንተኾንኩ፡ ሓጎሰይ ግን ምሉእ ኣይኮነን። ጊዜ የሕዊዩ`ሞ ንጊዜ ንጽበ"።

ኣብ ማራዊ ሃይማኖታዊ ሰላምን ምርድዳእን ከምዝመጽእ ግን ይተኣማመን`ዩ።

"ህዝቢ ካብ`ቲ ኲናት ብዙሕ ተማሂሩ`ዩ። ኣስላሞም ክርስቲያኖም ኣብ ኲናት ከሳራ ደኣ`ምበር ተዓዋቲ ኮይኑ ዝወጽእ ከምዘየለ ተረዲኦም`ዮም" ኢሉ ፋዘር ቺቶ።