ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ቆልዓ ብንስሪ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነበርቲ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ስድራቤታት፡ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ንስሪ ከጋጥሞም ከም ዝጸንሐ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ወረዳ ጋሻሞ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሓደ ቆልዓ ክቕተል እንከሎ፡ ክልተ ካልኦት'ውን ቆሲሎም።
ሙኖ ሹዓይብ፡ ኣደ ናይ ሓደ ካብቶም ዝቖሰሉ ቆልዑ እያ። ንሳ፡ ንኣግልግሎት ቢቢሲ ሶማሊ ከም ዝበለቶ፡ ኣብ ገዝኣ ከላ ወዳ ከእዊ ሰሚዓቶ።
"ጎይና ናብ ደገ ወጺእና። ንወደይ ኣብ ባይታ ሒዙ ክቶኽቦ ከሎ ርእየዮ። 'ኣደይ ኣደይ እናበለ ይበኪ ነይሩ። ናብኡ ጎየ ነቲ ንስሪ በትሪ ደርብየሉ" ኢላ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ፓሊስ ናይቲ ከባቢ ዝኾነ መሓመድ ሓሰን፡ ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ንምሓስ ልዑል ሓለዋ ይገብሩ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ንስሪ መሊሱ እንተ ተቐልቂሉ ክቕተል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከም ዘሎ'ውን እቲ ኣዛዚ ፓሊስ ጠቒሱ።
"ብፓሊስ ዝግበር ዘሎ ሰርሒት ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታን ካባቢኡን ኣባላት ፓሊስ ተዋፊሮም ኣለዉ።
"እቲ ንስሪ ክቕተል ትእዛዝ ኣመሓላሊፍና ኣለና፡ ክሳብ ሕጂ ግና ንደልዮ ኢና ዘለና"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







