ን70 ዓመታት ክኢላታት ሕሳብ ዝማረኸት ሚስጢራዊት ቑጽሪ 6174

እዚ ቑጽሪ ርኣይዎ፤ 6174።

መጀመርያ ክትሪኦ ብዙሕ ዘይክመስል ይኽእል፤ ግን ካብ 1949 ጀሚሩ ብዙሓት ክኢላታት ሕሳብን ፈተውቲ ቑጽርን ኣነበራቢሩ ማሪኹ'ዩ።

ከመይ?

  • ዝደለኹሞ ክልተ ዝተፈላለየ ቑጽሪ ዘለዎ [ባዶ ሓዊሱ] በዓል ኣርባዕተ ኣሃዝ ቑጽሪ ሕረዩ። ንኣብነት 1234
  • እዞም ኣሃዛት ካብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት ስርዑዎም፤ 4321
  • ሕጂ ድማ ናብ ዝነበሩዎ መልሱዎ፤ 1234
  • ካብቲ ዝዓበየ ቑጽሪ ኣጉድሉ፤ 4321 - 1234
  • ሕጂ፡ በቲ ዝረኸብኩምዎ ቑጽሪ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ዘለው መገዲታት ደጋጊምኩም ስርሑ

ብሓባር'ዶ ንስርሓዮ?

  • 4321 - 1234 = 3087
  • እቲ ቑጽሪ ካብ ዝዓበየ ናብ ዝነኣሸ ንስርዓዮ: 8730
  • ቀጺልና በቲ ዝንኣሰ ጀሚርና ንስርዓዮ: 0378
  • ካብቲ ዝዓበየ ቑጽሪ ነጉድል፤ 8730 - 0378 = 8352
  • በቲ እንረኽቦ ውጽኢት እቶም ዝሓለፍናዮም መገዲታት ንድገም

ሕጂ፡ ብቑጽሪ 8352ንስራሕ

  • 8532 - 2358 = 6174

ብቑጽሪ 6174 - እቶም ኣሃዛት ቀያይርና ካብ ዝዓበየ ናብ ዝነኣሰን፡ ካብ ዝንኣሰ ናብ ዝዓበየን ንስራዕ

  • 7641 - 1467 = 6174

ድሕሪ እዚ ካልእ ኣብነት ምርኣይ ኣየድልን። ሓደ ዓይነት ውጽኢት ኢና ክንረክብ፤ 6174

ሃንደበታዊ ምግጥጣም እምበር እዚስ ኣይኸውንን ትብሉ ትኾኑ። ካልእ ቑጽሪ ንፈትን። 2005?

  • 5200 - 0025 = 5175
  • 7551 - 1557 = 5994
  • 9954 - 4599 = 5355
  • 5553 - 3555 = 1998
  • 9981 - 1899 = 8082
  • 8820 - 0288 = 8532
  • 8532 - 2358 = 6174
  • 7641 - 1467 = 6174

ቀዋሚ ኣሃዝ ካፕረካር

ህንዳዊ ክኢላ ሕሳብ ዳታተርያ ራምቻንድራ ካፕረካር (1905-1986) ምስ ቑጽርታት ምጽዋት ይፈቱ ነይሩ። ከምኡ እናበለ ድማ እዛ ሚስጢራዊት ቑጽሪ ረኺቡ፤ 6174።

ካፕረካር ዓርሱ ብዝፈጠሮ ክልሰ ሓሳብ ቑጽሪ ዝተወለፈ ኾይኑ፡ ብ1949 ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ሕሳብ፡ እቲ ዝረኸቦ ቑጽሪ ንዓለም ኣላልዩ።

"ኣነ ምስ ቑጽሪ ዘለኒ ዝምድና፡ ሓደ ሰኽራም ብምስታይ ዝረኸቦ ፍታው ወይ ሓጎስ ሓቢሩዎ ንክጽንሕ ወይኒ ምስታይ ክቕጽል ምስ ዘለዎ ድልየት ማዕረ'ዩ" ይብል ነይሩ።

ካፕረካር ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ሙምባይ ኮይኑ፡ ኣብ ንኡሽቶ ከተማ ደቭላሊ መምህር ኮይኑ'ዩ ናይ ህይወት ዘመኑ ኣሕሊፉዎ።

ንሱ ዝረኽቦም ውጽኢታት ሕሳብ'ውን ክኢላታት ሕሳብ የባጭዩሎም ነይሮም።

ኣብ 1970ታት ግን፡ ውሩይ ኣሜሪካዊ ጸሓፍን ምሱጥ ሕሳብን ማርቲን ጋርድነር፡ ኣብ ፍሉጥ መጽሄት 'ሳይንቲፊክ ኣሜሪካ' ብዛዕብኡ ምስ ጽሓፈ ክልሰ ሓሳብ ቑጽሪ ካፕረካር ዓለም ክስሕብ ጀሚሩ።

ፕሬፌሰር ስነ ቑጠባ ዩኒቨርሲቲ ኦሳካ ዩታካ ኒሺያማ "ቑጽሪ 6174 ኣዝያ ሚስጢራዊት ቑጽሪ'ያ" ይብል።

"ቑጽሪ ካፕረካር ንምርካብ ሸውዓተ ደረጃታት ክትሓልፍ ኣለካ፤ በዚ መገዲ ኣርባዕተ ኣሃዛት ተጠቒምካ 6174 እንተዘይመጺኡልካ ግን፡ ተጋጊኻ ኣለኻ ማለት'ዩ" ኢሉ።

ኣደነቕቲ ቑጽርታት

ብበዓል ሰለስተ ኣሃዝ ቑጽሪ 574 ንፈትን

  • 754 - 457 = 297
  • 972 - 279 = 693
  • 963 - 369 = 594
  • 954 - 459 = 495
  • 954 - 459 = 495

እቲ 'ዘደንቕ ቑጽሪ' ረኺብኩምዎ'ዶ? 495

ቀወምቲ ቑጽርታት ብሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣሃዝ ጥራሕ እንትትጥቀም ዝርከቡ'ዮም።

6174ብሕብራዊ ትምህርቲ

ኣብ ደቡብ ሙምባይ ዝርከብ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ሳይክግራም፡ ኣብ ገጠር ከባቢታት ንዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ "ፕሮግራም ምምሃር ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ" ምሂዙ። ቑጽሪ 6174 ወሲዱ ብሕብርታት ተመላኺዖም ኣብ ኮምፒዩተር ክዳለው ገይሩ።

መስራቲ እዚ ኩባኒያ ጊሪሽ ኣራባሌ፡ እቶም ትምህርቲ ሕሳብ ዝጸልኡ ተምሃሮ በዚ ንክተባብዑ ዝዓለመ ምኻኑ ይዛረብ።

"ቀዋሚ ቑጽርታት ካፕረካር ጽባቐ ኣለዎም። እቶም መገዲታት ተኸቲልካ ምስ እትሰርሖ፡ ናብ ኣዝዩ ዝምስጥን ዘገርምን ህሞት ይወስደካ። ካብቲ ልሙድ ካሪኩለም ትምህርቲ ሒሳብ ውጽእ ዝበለ መገዲ'ዩ" ይብል።

መዛነዪ ቑጽሪ ሒሳብ

ካፕረካር፡ ቐዋሚ ቑጽሪ ሕሳብ፡ ሓደ ብሉጽ መዛነዪ ሰባት ክከውን ገይሩ'ዩ።

ሓደ እወንታዊ ቑጽሪ ብሓይሊ ክልተ [ትርብዒት] ብምርባሕ፡ ብኽልተ ቑጽሪ ዝተኸፍለ ውጽኢት ምስ ረኸብካ፡ ክልቲኡ ደሚርካ እትረኽቦ ውጽኢት እቲ ናይ መጀመርታ ቑጽሪ ይህበካ። ኣብነት፥

  • 297² = 88,209
  • 88 + 209 = 297

ካልኦት ቑጽርታት ካፕረካር 9, 45, 55, 99, 703, 999, 2,223, 17,344, 538,461... ነዚኦም ፈቲንኩም ትረኽቡዎ ውጽኢት ዚያዳ ኣብ ሒሳብ ዘለኩም ክእለትን ርድኢትን ክትምዝኑ ክሕግዘኩም'ዩ።