እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጌጋ ዝተለኣኸላ ገንዘብ ዘጠፋፍአት ተመሃሪት ብስርቂ ተኸሲሳ
ብጌጋ ናብ ሒሳብ ደብተራ ካብ ዝተለኣኸላ 1.1 ሚሊዮን ዶላር ነቲ ልዕሊ 63 ሽሕ ዶላር ዘጠፋፍአት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተመሃሪት ብስርቂ ተኸሲሳ ናብ ፍርዲ ቐሪባ።
ጓል 28 ዓመት ሲቦንጊሌ ማኒ ተመሃሪት ኣካዉንቲንግ፡ ዩኒቨርሲቲ ዋልተር ሲሱሉ ብኸቢድ ናይ ገንዘብ ገበን ኢዳ ንፖሊስ ክትህብ ድሕሪ ምሕታታ'ያ ተኣሲራ።
ዝሓለፈ ዓመት ካብ'ቲ ትሑት እቶት ንዘለዉ ተመሃሮ ሓገዝ ዝህብ ትካል ንመግቢ ዝውዕል 110 ዶላር ተዋሂብዋ ኔሩ'ዩ።
እንተኾነ ግና እዛ ተመሃሪት ኣብ ወርሒ ሰነ ብጌጋ ናብ ሒሳብ ደብተራ ዝተመሓላለፈላ ገንዘብ ኽቡራት ክዳዉንቲ ብምዕዳግን ንመዘናግዒ ብምጥፍፋእን እቲ 63 ሽሕ ዶላር ኣጉዲላቶ'ያ።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እቲ ገንዘብ ካብ ሒሳብ ደብተራ ክመዝወጽአ ተበጺሑሉ።
እዛ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት መንእሰይ ንክልተ ሓምለ ተመሊሳ ክትቐርብ ተኣዚዛ ኣላ።