እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
100 ዕፅፊ መሃይኡ ብስሕተት ዝተኸፈሎ ውልቀ ሰብ ''ይትረፈኒ'' ኢሉ
ኣብ ሓደ መንግስታዊ ትካል ኣውስትራልያ ተቖፂሩ ዝሰርሕ፡ ሓደ ኣውስትርያላዊ ውልቀ ሰብ፡ ከፈልቲ መሃያ ብዝሰርሕዎ ስሕተት፡ 100 ዕፅፊ መሃይኡ ተኸፊልዎ።
እዚ ስሕተት ዝተፈፀመ ኣብ ሞንጎ እቶም ኣሃዛት ብሰንኪ ዝኣተወት ነጥቢ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።
እዚ ውልቀ ሰብ ክኽፈሎ ዝግባእ ወርሓዊ መሃይኡ 4,921 ዶላር ኣውስትራሊያን 76 ሳንቲምን እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ሞንጎ እዚ ኣሃዛት ዝኣተወት ሓንቲ ነጥቢ ግና መሃያ እዚ ውልቀ ሰብ ናብ 492 ሽሕን 176 ዶላር ክብ ንክብል ምኽንያት ኮይና እያ።
ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እዚ ስሕተት ከም ዝተፈጠረ ምስ ፈለጡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ኦዲተር ቢሮ ኣፍሊጦም እዮም።
ብምኽንያት እዚ ድማ ናብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ተጓዒዙ ዝነበረ እዚ ውልቀ ሰብ፡ ዘይሓሰቦ መጠን ገንዘብ ናብ ሒሳብ ባንኩ እንትኣቱ ዋላ እኳ እንተደንገፀ፤ ዋላ ሓደ ከየማትአ ናብ መንግስቲ መሊስዎ።
ሓላፊ ኦዲተር ቢሮ እቲ ከባቢ፡ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ፈላማዩ ከምዘይኮነን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ 743 ተመሳሰልቲ ስሕተታት ከምዝተሰርሑ ገሊፆምም።
ብኣንፃሩ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ስሕተት፡ ክሳብ ሕዚ 767 ሽሕ ዶላር እንከይተመለሰ ተሪፉ እዩ።