ልዕሊ 30 ስደተኛታት ካብ ሊብያ 'ናብ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር' ሰጊሮም

ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር)፡ ብቀዳም 31 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ወጺኦም ናብ ውሑሳት ሃገራት ክሰግሩ ከምዝተገበሩ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ናበየኖት ሃገራት ከምዝሰገሩ ግን፡ ኣይተሓበረን።

እቶም ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ ስደተኛታት "ሓድሽ ምዕራፍ ህይወቶም ንምጅማር ተስፋ ሰኒቖም" ካብ ሊብያ ከምዝተበገሱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ 2019፡ ልዕሊ 1300 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ወጺኦም 'ናብ ውሑሳት ሃገራት' ክሰግሩ ተገይሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ግን ድማ፡ ናብ ውሑሳት ሃገራት ሰጊሮም ሓድሽ ናብራ ክጅምሩ ዘድልዮም ብዙሓት ስደተኛታት እዮም ዘለዉ።

ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት፡ ስደተኛታት ተቐቢለን ካብ ዘአንግዳ 60 ሃገራት ናብ ሰልሰይቲ ሃገር ክሰግሩ ዝደልዩ ልዕሊ 1.44 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዩኤንኤችሲኣር ይገልጽ።

እንተኾነ፡ ውሑዳት ጥራይ እዮም ነቲ ዕድል ዝረኽቡ።