ኣለጃንድሮ ግያማቲ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ፈተነ፡ ፕረዚደንት ጓቲማላ ኮይኑ ተመሪጹ

ኣለጃንድሮ ግያማቲ ንፕረዝደንትነት ኣርባዕተ ግዜ ድሕሪ ምውድዳሩ'ዩ ዝዕወት ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣለጃንድሮ ግያማቲ ንፕረዝደንትነት ኣርባዕተ ግዜ ድሕሪ ምውድዳሩ'ዩ ዝዕወት ዘሎ

ኣብ ጓቲማላ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ፡ ኣባል ዓቓባዊ ሰልፊ ኣለጃንድሮ ግያማቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣፈናዊ ውጽኢት እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ዘርእዮ፡ ኣለጃንድሮ ግያማቲ 59 ሚእታዊት ክረክብ እንከሎ፡ መወዳድርቱ ዝነበረት ሳንድራ ቶረስ 41 ሚእታዊት ከም ዝረኸበት እዩ ዘርኢ።

ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ጎቲማላ ነበር ሳንድራ ቶረስ ንሳልሳይ ግዜኣ ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር እንከላ፡ ኣለጃንድሮ ግያማቲ ብወገኑ ኣብ ራብዓይ ፈተንኡ'ዩ ዝዕወት ዘሎ።

ኣለጃንድሮ ግያማቲ ቅድሚ ፕረዚደንት ኮይኑ ምምራጹ፡ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝተፈረመ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ኣካታዒ ስምምዓት ከምዝቕይሮ ተመባጺዑ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ዝነበረ ቀዳማይ ገጽ ምርጫ ተዓዊታ ናብ መዛዘሚ ምርጫ ዝበጽሐት ሳንድራ ቶረስ'ውን ብሰንበት ስዕረታ ከም ዝተቐበለት ሮይተርስ ገሊጹ።

ሳንድራ ቶረስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሳንድራ ቶረስ

"ፕረዚደንት ናይታ ኣዝየ ዘፍቅራ ጓቲማላ ኮይነ ምምራጸይ ምሒር ክብሪ ዘውህብ'ዩ" ዝበለ ኣለጃንድሮ ግያማቲ "ንጓቲማላ ዳግም ክንሃንጻ ኢና" ክብል ነቲ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ዝመርሖ ህዝቢ ጓቲማላ ተመባጺዑ።

ኣለጃንድሮ ግያማቲ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሕጂ ስልጣኑ ዘረክብ ፕረዚደንት ጂሚ ሞራልስን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ዝተኸተመ፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ውዕላት ንምምሕያሹ ከምዝጽዕት'ውን ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ጂሚ ሞራልስን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንጓቲማላ ኣቋሪጾም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ መሬት ኣሜሪካ ከይረገጹ ኣብ ጓቲማላ ኮይኖም 'ቪዛ' ክሓቱ ዝብል ይርከቦ።

ኣለጃንድሮ ግያማቲ "ንህዝብና ዝኣክል ክንቕርብ ዘይከኣልና፡ ወጻእተኛታት እንተተወሲኸሞ እንታይ'ዩ ክኸውን?" ብምባል እዩ ሕቶ ዘቐምጥ።

ጓቲማል ድሕሪ 36 ዓመታት ዝወሰደ ኵናት ሓድሕድ፡ ካብ 1996 ጀሚራ ኣብ ምምሕያሽ እትርከብ ሃገር'ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጓቲማል ድሕሪ 36 ዝወሰደ ዓመታት ኵናት ሓድሕድ፡ ካብ 1996 ጀሚራ ኣብ ምምሕያሽ እትርከብ ሃገር'ያ

ወዲ 63 ዓመት ኣለጃንድሮ ግያማቲ ኣርባዕተ ግዜ ምስ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ብምዃን ንፕረዝደንትነት ድሕሪ ምውድዳሩ ተዓዊቱ'ዩ ኣብ ጥሪ 2020 ብወግዒ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተረኪቡ ስርሑ ክጅምር።

"ኣብ እዋን እዚ ምስግጋር፡ ኣነ ዝኣክል ሓበሬታ ንኽረክብ መዓጹ ከም ዝኽፈቱለይ ብዓል ምሉእ ተስፋ'የ፡ ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ካብቲ ምስ ኣሜሪካ ዝተገብረ ንዓና ዘየርብሕ ዝምምዕ ንኽንወጽእ ከኣ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።