ጓቲማላ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝድገፍ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና ሰጒጋ

ጂሚ ሞራለስ ኣብ ከተማ ጓቲማላ ኣብ ጉባኤ መደረ እንተስምዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጓቲማላውያን ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንፕረዚደንት ሞራለስ፡ ኣብ 215 ኣብ ዝነበረ መረፃ ንዘይስሩዕ ነገራት መዊሎም ብምባል ይኸስዎም

ጓቲማላ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጂሚ ሞራለስ ምርመራ ክገብር ዝፀንሐ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና ካብታ ሃገር ንክወፅእ ኣዚዛ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጓቲማላ ሳንድራ ጆቬል ከም ዝሓበርኦ፡ እቲ ኮሚሽን ካብታ ሃገር ንክወፅእ 24 ሰዓታት ግዘ ገደብ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሞራለስ ኣንፃር ግዕዝይና (ብልሽውና) ምቅላሶም ክቕፅልሉ እዮም ዝበላ እተን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ፡ ይኹን'ምበር ብዛዕባ ጉዳይ እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝግበር ምርመራ ግጉይ ርድኢት ነይሩ ኢለን።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተመረፁ ጂሚ ሞራለስ፡ ኣብ መፈለምታ ነቲ ኮሚሽን ይድግፉ ነይሮም።

ኣብ ጓቲማላ ዝርከብ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና (CICIG)፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ልዕሊ ደርዘን ዝኾን ጉዳይ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ናብ ሕጊ ንክቀርቡ ክሕግዝ ፀኒሑ።

ይኹን'ምበር ኣብ ሎሚ በፂሑ፡ ፕረዚደንት ጓቲማላ ጂሚ ሞራለስ ኣካል እቲ ምርምራ ብምዃኖም፡ ጉዳዮም በቲ ጉጅለ ንከይምርመር ብምእጋድ ባዕሎም ንክርእይዎ ኣፍሊጦም።

ርኢቶ እቶም ፕረዚደንት ግና፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ተቓውሞ ንክውሕዝን፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ንኽካየድን ኣገዲዱ።

ሰልፈኛታት፡ ኣንፃር ግዕዝይና ሰብ-መዚ እታ ሃገር ብምቅዋም ድማ፡ እቶም ፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ንክወርዱ ሓቲቶም።

ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተርየስ ዝተዘራረባ ምኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ግና፡ ኣብታ ሃገር ልዕልና ሕጊ ንክድንፍዕ፡ ኣብ 2016 ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸ ኣብ ጓቲማላ ዝርከብ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና (CICIG)፡ ከምዘብቅዕ ገሊፀን።

ኣንቶኒዮ ጉተርየስ ግና፡ ውሳነ እታ ሃገር 'ኣትሪሮም ከምዝነፅግዎ' ብምግላፅ፡ መንግስቲ ጓቲማላ ዓለም ለኸ ስምምዓት ከኽብር ግድን እዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸ ኣብ ጓቲማላ ዝርከብ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና (CICIG)፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኖም ተዋዛይ ንዝነበሩ ፕረዚደንት ጂሚ ሞራለስ፡ ኣብ 2015 ንዝነበሮም ጎስጓስ መረፃ ዘየድልይ ወፃእታት ኣውፂኦም ዝብሉ ክስታት ተዓዚቡ እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸ ኣብ ጓቲማላ ዝርከብ ኮሚሽን ፀረ-ግዕዝይና (CICIG)፡ እቲ ዝተጀመረ ምርመራ ንክቕፅል ፕረዚደንት ጂሚ ሞራለስ ውሳንኦም ከልዕሉ ፀዊዑ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ክቡራት መካይን ዘዕኑ መንግስቲ!