ወዲ ዚምባብወ ነርስ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምርኣይ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ብእግሩ ተጓዒዙ

ምንጪ ስእሊ, Alvin Zhakata
ተወላዲ ዚምባብወ ዝኾነ ሓደ ነርስ፡ ንኩዕሶ እግሪ ብዘለዎ ፍቕሪ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕ ታውን ብምብጋስ ዋንጫ ዓለም ተእንግድ ናብ ዘላ ግብጺ ብእግሩ ተጓዒዙ። ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ምችእቲ ከም ዘይኮነት ድማ ተዛሪቡ።
ኣልቪን ዛክታ ወይ "ኣሉቫ" ስነስርዓት መኽፈቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ 21 ሰነ ናብ ግብጺ ብምእታው፡ ሃገሩ ምስ ግብጺ ንእተካይዶ ግጥም ብኣካል ክከታተል ሓሲቡ'ዩ ተበጊሱ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ጉዕዞ ከም ዝተጸበዮ ብዘይምንባሩ ነቲ ግጥም ከርክብ ኣይከኣለን።
ኣብዚ ሕጂ ከኣ፡ ብምኽንያት እቶም ንጉዕዞኡ ኣብ ትዊተር ይከታተሉ ዝነበሩ ሰባት ተፈላጢ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ።
ምስ ፕረዚደንት ኮንፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣልጀርያን ሰኔጋልን ንዋንጫ ኣብ ዝካይድኦ ግጥም ንኽርከብ ትኬት ሂብዎ'ሎ።
'ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ኣይትምቹእን'
እቲ ወዲ 32 ዓመት ፈታዊ ኩዕሶ፡ ነቲ 44 መዓልታት ዝወደኣሉ ናይ 10 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ጉዕዞ ወዲኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ግብጺ-ካይሮ ኣትዩ።
ከቢድ ዝበሃል ዘጋጠሞ ሓደጋ ከም ዘይነበረ ድማ ተዛሪቡ።


ዛካታ ኣብ ጉዕዞኡ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ኣፍሪቃን ትምህርቲ ክረክብ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።
"ዕጉስ ኣይኮንኩን ዝብል እምነት ነይሩኒ፡ ትዕግስተይ ግን ክሳብ መወዳእታ ተመጢጡ፤ ካብቲ ዝግምቶ ዝነበርኩ ዝዓበየ ትዕግስቲ ድማ ረኺበ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብጉዳይ ቪዛን ዶባትን "ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ምችውቲ ኣይኮነትን" ድማ ኢሉ።
ካብ ኣውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ዝመጽኡ በጻሕቲ ብዝሓሸ መገዲ [ካብ ኣፍሪቃውያን ብዝበለጸ] ይተኣናገዱ ምንባሮም ሓቢሩ።
I believe we need a borderless Africa"

"ንኣፍሪቃውያን ዝሕተት ገሊኡ ክፍሊት ቪዛ ናብ ኣውሮጳ ክትኸይድ ከለኻ ካብ ዝሕተት ክፍሊት ዝኸበረ እዩ። ነዊሕ ግዜ ክትጽበ'ውን ትግደድ" ኢሉ።
"ዶባ ኣልቦ ኣፍሪቃ ከምእተድልየና ኣሚነ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Alvin Zhakata
ጉዕዞኡ 27 ግንቦት 2019 ብምጅማር፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ፡ ብዚምባብወ፣ ዛምቢያ፣ ታንዛንያ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ኣቢሉ እዩ ናብ ግብጺ ኣትዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







