ወዲ ዚምባብወ ነርስ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምርኣይ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ብእግሩ ተጓዒዙ

ኣልቪን ዝሃካታ

ምንጪ ስእሊ, Alvin Zhakata

ተወላዲ ዚምባብወ ዝኾነ ሓደ ነርስ፡ ንኩዕሶ እግሪ ብዘለዎ ፍቕሪ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕ ታውን ብምብጋስ ዋንጫ ዓለም ተእንግድ ናብ ዘላ ግብጺ ብእግሩ ተጓዒዙ። ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ምችእቲ ከም ዘይኮነት ድማ ተዛሪቡ።

ኣልቪን ዛክታ ወይ "ኣሉቫ" ስነስርዓት መኽፈቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ 21 ሰነ ናብ ግብጺ ብምእታው፡ ሃገሩ ምስ ግብጺ ንእተካይዶ ግጥም ብኣካል ክከታተል ሓሲቡ'ዩ ተበጊሱ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ጉዕዞ ከም ዝተጸበዮ ብዘይምንባሩ ነቲ ግጥም ከርክብ ኣይከኣለን።

ኣብዚ ሕጂ ከኣ፡ ብምኽንያት እቶም ንጉዕዞኡ ኣብ ትዊተር ይከታተሉ ዝነበሩ ሰባት ተፈላጢ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ።

ምስ ፕረዚደንት ኮንፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣሕመድ ኣሕመድ ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣልጀርያን ሰኔጋልን ንዋንጫ ኣብ ዝካይድኦ ግጥም ንኽርከብ ትኬት ሂብዎ'ሎ።

'ፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ኣይትምቹእን'

እቲ ወዲ 32 ዓመት ፈታዊ ኩዕሶ፡ ነቲ 44 መዓልታት ዝወደኣሉ ናይ 10 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ጉዕዞ ወዲኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ግብጺ-ካይሮ ኣትዩ።

ከቢድ ዝበሃል ዘጋጠሞ ሓደጋ ከም ዘይነበረ ድማ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ካፍ ኣሕመድ (ጸጋም) ምስ ኣልቪን ንዛካታ (የማን)
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ካፍ ኣሕመድ ንዛካታ መእተዊ ግጥም ዋንጫን ናብ ዓዱ ብነፋሪት ዝምለሰሉን ትኬት ሂብዎ
Presentational white space

ዛካታ ኣብ ጉዕዞኡ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ኣፍሪቃን ትምህርቲ ክረክብ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

"ዕጉስ ኣይኮንኩን ዝብል እምነት ነይሩኒ፡ ትዕግስተይ ግን ክሳብ መወዳእታ ተመጢጡ፤ ካብቲ ዝግምቶ ዝነበርኩ ዝዓበየ ትዕግስቲ ድማ ረኺበ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብጉዳይ ቪዛን ዶባትን "ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ምችውቲ ኣይኮነትን" ድማ ኢሉ።

ካብ ኣውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ዝመጽኡ በጻሕቲ ብዝሓሸ መገዲ [ካብ ኣፍሪቃውያን ብዝበለጸ] ይተኣናገዱ ምንባሮም ሓቢሩ።

Alvin Zhakata
I believe we need a borderless Africa"
Alvin "Aluvah" Zhakata
Zimbabwe super fan
Presentational white space

"ንኣፍሪቃውያን ዝሕተት ገሊኡ ክፍሊት ቪዛ ናብ ኣውሮጳ ክትኸይድ ከለኻ ካብ ዝሕተት ክፍሊት ዝኸበረ እዩ። ነዊሕ ግዜ ክትጽበ'ውን ትግደድ" ኢሉ።

"ዶባ ኣልቦ ኣፍሪቃ ከምእተድልየና ኣሚነ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ኣልቪን ዛካታ (ጸጋም) ፍሬው ኣስራት (የማን) ኣብ ኢትዯጵያ

ምንጪ ስእሊ, Alvin Zhakata

መግለጺ ስእሊ, ዛካታ ኣብ ጉዕዝኡ ብኢትዮጵያ ሓሊፉ'ዩ

ጉዕዞኡ 27 ግንቦት 2019 ብምጅማር፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ፡ ብዚምባብወ፣ ዛምቢያ፣ ታንዛንያ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ኣቢሉ እዩ ናብ ግብጺ ኣትዩ።