ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና ማእሰርቲ ጠጠው ከተብል ተማሕጺጸን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ልዕሊ 22 ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና፡ ኣብ ዞባ ዢንጂያንግ ዝርከቡ ዓሌት ኡግሁርስ ዝኾኑ እስላም ትውጽዕ ኣላ ኣብ ዝብል ደብዳብ ፌርምአን ኣንቢረን።
ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ቻይና ሓደ ሚሊዮን ዓሌት ኡግሁርስን ካልኦት እስላምን ኣሲራ ኣላ ኢሎም።
ቻይና ብወገና ዓሌት ኡግሁርስ "ኣብ ማእኸላት ስልጠና ሞያ" ኣትዮም ንጥሩፍነት ክዋግኡ ይስልጥኑ ከም ዘለዉ'ያ ትሕብር።
እዚ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተርኣየ ፊርማ ኣምባሳደራት ሃገራት ብሪጣኒያ፣ ካናዳን ጃፓንን ዝርከቡዎም ኣምባሳደራት 22 ሃገራት ዘተኣኻኸቡዎ'ዩ።
እቲ ደብዳበ፡ "ብዙሓት ናይ ማእሰርቲ ቦታታት ኣለዋ፡ ኣብ ዓሌት ኡግሁርስን ካልኦት ንኣሽቱ ብሄራትን ዘነጻጸረ እገዳታት'ውን ኣሎ" ይብል።
ቻይና፡ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዘይሻራዊ ዓለማዊ ተዓዘብቲ "ናብ ዢንጃንግ ክኣትው ከፍቅድ'የ" ትብል።
ንሮይተርስ ቃሎም ዝሃቡ ገለ ዲፕሎማት፡ እቲ ውሳነ፡ ካብ ቤጂንግ ክስዕብ ዝኽእል ቑጠባውን ፖለቲካውን ምፍዳይ ሕነ ብምስጋእ ዝመጽአ'ዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጀኔቫ ጆን ፊሸር፡ እቲ መግለጺ "ቻይና ኣብ ልዕሊ እቶም እስላም ዘለዋ ዘፍርሕ ኣተሓሕዛ" ጠጠው ከተብል ጸቕጢ ንምሕዳር ዝዓለመ'ዩ ኢሉ።
"እዚ መግለጺ ንህዝቢ ዢንጃንግ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ህዝቢታት ጠቓሚ'ዩ" ኢሉ።
ቢቢሲ ብዘካየዶ መጽናዕቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ ኣብታ ዞባ ጥራሕ ልዕሊ 400 ህጻናት ወለዶም ዝሰኣኑ'ዮም።
እንተኾነ፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ብሪጣኒያ፡ ነዚ ንጹግን ዘይሓቕን'ዩ ኢልዎ።
መብዛሕትኦም ብምኽንያት ዝኽተሉዎ ሃይማኖት፣ ብጸሎትን ነቒብ ብምኽዳኖም ወይ ድማ ምስ ከም ቱርኪ ዝበላ ሃገራት ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ዝተቐጽዑ'ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







