ኣብ ቻይና ተኣሲራ እትርከብ ናዝራዊት ኣበራ ክሲ ከም ዘይተመስረታ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, BBC/FACEBOOK
ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣይተ ነብያት ጌታቸው "ምስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢትዯጵያ ዝቐረበ ክሲ የለን" ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሞይኦም ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ከም ዘየለዉ ዝገለፀ እቲ ሚንስትር፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ዝመፅእ ዓመት ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝኽበር ሓቢሩ።
ኣብ ቻይና 'ብምዝውዋር ዕጸ ፋርስ' ተኸሲሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወት ናዝራዊት ኣበራ ብዝምልከት፡ እቲ ሚንስትር ጉዳያ ብቐረባ ይከታተሎ ምህላዉ ኣመልኪቶም።
ኣብ ቻይና ኤምባሲ ኢትዯጵያን፡ ቤት ፅሕፈት ቆንስልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ቻይና ይዘራረቡ ከም ዘለዉ'ውን ገሊፆም።
እቲ ቆንስላዊ ቤት ፅሕፈት፡ ናዝራዊት ናብ እትርከበሉ ከተማ ጉዋንዡ ብምኻድ፡ ሰለስተ ግዜ ከም ዝረአያ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ሰሉስ እውን ክኸድዋ መደብ ከም ዘሎዎም ኣፍሊጡ።
"ዓቃቢ ሕጊ ቻይና ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኣ ክሲ ኣይመስረተን፤ ናዝራዊት ክሲ ከም ዝተመስረታ ዝተዝርገሐ መረዳእታ ጌጋ እዩ" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነብሩ ኢትዯጵያውያን ኣመልኪቱ ብዝተሰርሑ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት መብርሂ ክህብ እንከሎ፡ መሰል ዜጋታት ኣብ ዝኽበረሎምን እሱራት ዝፍትሑሉን ጉዳያት ስምምዕ ከም ዝተገበረ ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕጂ ምስ ስዑድያ፣ ቐጠር፣ ዮርዳኖስን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዘሎ'ውን ኣብሪሁ።
ክሳብ ሕጂ ኣስታት 70 ሽሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝተገበረ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







