ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ጽባሕ ክፍጸም'ዩ

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ጽባሕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስተ ስላሴ ከም ዝፍጸም ሓላፊት ሴክሬታሪያት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ሓቢራ።

ኣስክሬን ጀነራል ሰዓረ መኮንን ካብ መንበሪ ገዝኡ ክሳብ ኣዳራሽ ሚልዩንየም ብወታሃደራዊ ሰልፊ ተዓጂቡ ከም ዝኸይድን፡ ካብ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚልዩንየም ብዓበይቲ ሰበስልጣንን ቤተ ሰብን ፈተውትን ናይ ምፍናው ስነስርዓት ከም ዝግበረሉ'ውን ተገሊጹ።

ምስ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ሰዓረ ዝተቐተለ ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ኣስክሬኑ ቤተ ሰቡ ብዘቕረብዎ ሕቶ ናብ ትውልዲ ዓዱ ከም ዝልኣኽ'ውን ቢልለኔ ስዩም ሓቢራ።