እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋን ቅትለት ጀነራላትን
ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተከሰተ ንብዙሓት ካብ ትጽቢት ወጻኢ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝተሰምዐ ብርቱዕን ንነዊሕን ዝቀጸለ ቶኵሲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ስንባደ ፈጢሩ።
ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተኸሰተ ምልውዋጥ ቶክሲ ደው እንከይበለ ኣብ ካልእ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ'ውን ክስማማዕ ስለ ዝጀመረ ስምንበደ ነበርቲ ባሀር ዳር ወሰኸ።
እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ቶክሲ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ዝተፈተነ ምኳኑ ምስ ተነገረ፡ ከም ናይ ባህርዳር ደኣ ኣይኹን'ምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንብሪ ቤት ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን'ውን ድምጺ ፎኲስ ብረት ተሰምዐ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ባህር ዳርን ዝተሰመዐ ቶኲሲ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምስ ምዃኑ ድማ እቲ ስርሒት ሓደን ብሓደ ኣክል ዝተዋደደን ክኽውን ይኽእል'ዩ ናብ ዝብል ጥርጣረ ኣምሪሑ።
ቀዳምን ሰንብትን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጀነራላት ዝተፈጸመ ቅትለትን ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈተ ዕልዋን እንታይ ዝተፈለጡ ሓቅታት ኣለዉ።
ባህርዳር
ቀዳም 16/2011 ዓ.ም [22 ሰነ 2019]
- ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ናይቲ ክልል ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ኣኼባ ነይሮም
- እዞም ሓለፍቲ ኣብ ኣኬባ እንከለው ካብ ኣባላት ጸጥታ እቲ ክልል ምዃኖም ዝተገለጸ ናብቲ ናይ ኣኬባ ኣዳራሽ ብምእታዉ ቶክሲ ከፊቶም።
- በቲ መጥቃዕቲ ፕረዚደንት እቲ ክልልን ዝርከቦም ቁጽሮም ዘይተገለጸ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቐቲሎም።
- ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለ ክፋላት ባህር ዳር ድምጺ ፎኮስቲ ብረት ክስማዕ ጀሚሩ።
- ምሸት ሰዓት ሸውዓት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ፕሬስ ሴክሬታሪ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኣብ ኢቢሲ ቀሪቡ መግለጺ ሂቡ።
- ኣብ ባህር ዳርን ከባቢኣን ጸጥታ ዝከታተሉን ዘውሑስን ወተሃደራት ብብዝሒ ክረኣዩ ጀሚሮም።
- ኣብ ውሽጢ ባህርዳር ቶክሲ ካብቲ ዝነበሮ ድኣ ዝሕል ይበል'ምበር ሓሓሊፉ ቶክሲ ይስማዕ ነይሩ።
- ምሽት ሰዓት 5 (11) ኣቢሉ ናይቲ ክልል መራሒ ፓርቲ [ኣዴፓ] ብሓላፊ ጸጥታ እቲ ክልል ዝኾነ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ዝተወጠነ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተገበረ ሓቢሩ።
አዲስአበባ
ቀዳም 16/2011 ዓ.ም [22 ሰነ 2019]
- ምሸት ሰዓት ክልተ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፈተነ ቅትለት ከም ዝተካየደ ዝገልጽ ሓበሬታታት ክናፈስ ጀሚሩ።
- ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ድምጺ ፎኮስቲ ብረት ይስማዕ ከም ዘሎ ነበርቲ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኢምባሲ ኣሜሪካ'ውን ሰራሕተኛታቱ ጥንቃቐ ክገብሩ ዝጽውዕ ኣብ ተዊተር ጽሒፉ።
- ኣብ መእተውን መውጽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቅድም ዝተፈለየ ሓለዋ ጸጥታ ተራእዩ።
- ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየዱ ተሓሲቦም ዝነበሩ ዓበይቲ መንግስታውን ህዝባውን ኣኼባታት ከም ዘይካየዱ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ።
- ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ብምቕራብ ኣብ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ጀነራል ሰዓረ መኮንን መጥቃዕቲ ከም ዝወረደ ንህዝቢ ኣፍሊጢ።
ሰንበት ሰነ 17/2011 ዓ.ም 23 ሰነ 2019
- ንግሆ መራኸቢ ብዙሃን ክልል ትግራይ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከም ዝተቐተለ ብምግላጽ ፈጻሚ ስራሕ ህውሓት ናይ ሓዘን መግለጺ ኣውጺኡ።
- ክልል ኣምሓራ'ውን ፕረዚደንት እቲ ክልልን ኣማኻሪኡን ከም ዝተቐተሉ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ።
- ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህር ዳርን ብዝተጸጸመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሓለፍቲ መንግስቲ ከም ዝተቀተሉ ሓቢሩ።
- ካብ ቤት ጽሕበት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወሃባ መግለጺ እዞም ክልተ ጀነራት ብዓጃቢ ጀነራል ሰዓረ ከም ዝተቀተሉን ፈጻሚ እዚ ተግባር'ውን ከም ዝተታሓዘ ሓቢሩ።
- ኣቶ ላቀ ኣያሌው ንዶክተር ኣማባቸው መኮንን ብምትካእ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ተሮቊሑ።
- ዝተፈላለያ ክልልት'ውን ነዚ ተግባር ዝኹንን መግለጺታት ኣውጺአን።