እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢታ ማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ
ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ትማሊ ብዝተፈጸሞ መጥቓዕቲ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ።
ኣብ መቀለ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ፡ ተሌቪዥን ድምጺ ወያነን ትግራይን ቴሌቪዥንን ጀነራል ሰዓረ መኮነን ምማቱ ከም ዝቃለሓ ብምሕባር፡ ፈጻሚ ስራሕ ህውሓት'ውን ናይ ሓዘን መልኽቲ ከም ዘስመዐ ሓቢሩ።
በዚ መጥቃዕቲ ጀነራል ገዛኢ ኣበራ'ውን ከም ዝተቐትለ ድምጺ ወያነ ትግራይን ተሌቪዥን ወያነንን ኣቓሊሐን።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈጸመ ፈተነ ዕልዋ'ውን ናይቲ ክልል ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዝተቐትሉ ክሕበር እንከሎ ክሳብ ሕጂ መንነቶም ኣይተገልጸን ዘሎ።