እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈተነ ዕልዋ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝተቐትሉ ግዳያት ዛጊት ኣይተረጋገጸን
ኣብዚ ናይ ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ'ዩ ዝተብሃለሉ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ኣበይ ከም ዘሎ ከምዘይፍለጥ ምክትል ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገደቤ ሃይሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ጀነራል ኣሳምነው፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መመረቕታ ሰልጠንቲ ፍሉይ ሓይሊ ፓሊስ እቲ ክልል ከም ዝመረቐ ተፈሊጡ።
ኣቶ ገደቤ ሃይሉ "እቲ መጥቃዕቲ ብልዑል ውህደት ዝተወጠነ'ዩ" ክብል ነቲ መጥቃዕትታት ገሊጽዎ።
ብዘይካ'ቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ፖሊስ ናይቲ ክልልን ኣብ ቤት ጽሕፈት ገዛኢ ሰልፊ ናይ ክልል ዝኾነ አዴፓን'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲታት ከም ዝተኻየደ እቲ ብዓል ስልጣን ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት፡ ርእሰምምሕዳር እቲ ክልል ዝኾነ ዶ/ር ኣምባቸውን ኣማኻሪኡን ምቕታሎም ይዝከር።
"ርእሰ ምምሕዳር [ክልል ኣምሓራ] ንህዝቢ እቲ ክልል ለይቲን ቀትርን ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ'ዩ ነይሩ። ብኸምዚ ኩነታት ምስውኡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሕዝንን እዩ" ክብል ኣቶ ገደቤ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ይኹን እምበር ቁጽሪ ምውታት ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈለጠ ገሊጹ ኣቶ ገደቤ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝተፈተነ ዕልዋ ምዃኑ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ምክትል ርእሰምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን፡ ኣብ ክልላዊ መግስቲ ጥራይ ዘነጻጸረ ክኸውን ከም ዘይክእል ተዛሪቡ።
ንጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ ጀነራል ሰዓረ ምቕንጻሎም ድማ መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ዶ/ር ደብረጽዮን ይጠቅስ።