ኢትዮጰያ፡ ንዝሞቱ ሰበ ስልጣንን ጀነራላትን ንምዝካር መዓልቲ ሓዘን ተኣዊጁ

ቀዳም 22 ሰነ 2019 ( 15 ሰነ 2011 ዓ.ም) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕለዋ መንግስትን ዝሞቱ ሰበ ስልጣንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሞቱ መራሕቲ ሰራዊትን ንምዝካር ሎሚ 24 ሰነ 2019 (17 ሰነ 2011 ዓ.ም) መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ንኽውዕል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣዊጁ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ'ውን፡ ነቶም ብቀዳም ኣብ ባህርዳር ዝተቐተሉ ፕረዝደንት እቲ ክልል ዶክተር ኣመናባቸው መኮነንን ኣማካሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴ ንምዝካር ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል መዓልቲ ሓዘን ኣዊጁ'ሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ዕለዋ መንግስቲ ተኸቲሉ፡ ናይቲ ክልል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ኣምባቸው መኮነንን ኣማኻሪኡ ኣቶ እዘዝ ዋሴን ኣብ ከተማ ባህርዳር፡ ከምኡ'ውን ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ ሞኮነንን ኣብ ጥሮታ ዝነበረ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮነን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተቐተሉ ይዝከር።

ነዞም ኣብዚ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተቐተሉ ሰብ ስልጣንን ጀነራላትን፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምክያድ እተወሃህድ ኮሚቴ ከም ዝቖመት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።