ዓመታዊ ጥቆማ ሕጹያት 'ሽልማት በጎ ሰው' ተጀሚሩ

በጎ ሰው

ምንጪ ስእሊ, BEGO SEW

'ሽልማት በጎ ሰው' ኣብ ኢትዮጵያ ሰናይ ንዝሰርሑን ንወለዶ መርኣያ ዝኾኑን ሰባት፡ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናወዳደረ ኣፍልጦ ዝህብ፤ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ዝተመስረተ ዘይመንግስታዊ ኮሚቴ እዩ።

ናይዚ ዓመት ተሸለምቲ ንምምራጽ ድማ ካብ ህዝቢ ሕጹያት ምቕባል ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ካብ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ወጻኢ ኣብ ዘለዉ ዓውዲታት፡ ሽልማትን ኣፍልጦን ምሃብ ዝተለመደ ኣይኮነን።

ምስረታ 'ሽልማት በጎ ሰው' ኣመልኪቱ፡ ጸሓፊ ናይቲ ኮሚቴ ኣይተ ቀለመወርቅ ሚደቅሳ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ሽልማታት እንተሪኢና ንስነጥበበኛታትን ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ንዝፍለጡን ጥራሕ ትኹረት ዝገብሩ እዮም። ካብዚ ወፃኢ ንዘለዉ ሰባት ቆላሕታ ኣይህቡን። ንሃገር ብዙሕ ነገር ገይሮም ብመራኸብቲ ሓፋሽ ግን ዘይተዘረበሎም ክጥምት ዝኽእል መድረኽ ሽልማት ብዝብል ኣብ 2005 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ጀሚርናዮ'' ይብል።

ሽዑ 5 ሰባት ብምሽላም ዝጀመረ እቲ መድረኽ፤ ድሕሪ ሓደ ዓመት ስሩዕ ቅርፂ መድረኽ ሽልማት ኮይኑ፡ ብኮሚቴ እናተመርሐ ቀፂሉ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ንዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ናይ ክብሪ ሸልማታት ከም ዝሃበ ኣይተ ቀለመወርቅ ይዛረብ። ኣስማት ሕፁያት ተሸለምቲ ካብ ሓፋሽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድም ክብል ብዝተሸለሙ ሰባት፣ ሰብ ሞያን ጋዜጠኛታትን ይቐርቡሞ፡ ተሸለምቲ ድማ ብኮሜቴ ከም ዝምመዩ ይገልፅ።

ኣባላት

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Press Agency

እቲ ኮሚቴ 12 ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ኣባላት ዝሓዘ እዩ። እቶም ኣባላት፡ ብዛዕባ ሕድ ሕድ ተወዳዳሪ ዝቐረበ መረዳእታ ኣገናዚቦም ካብ ሕድ ሕድ ዓውዲ፡ ሰለስተ ተሸለምቲ ይመርጹ።

ኣይተ ቀለመወርቅ፡ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ከይዲ እቲ መረጻ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ''እቶም 12 ኣባላት፡ ብምስጢራዊ መገዲ ድምጺ ይህቡ። በዚ መገዲ ድማ ካብ ኩሎም ዓውድታት፡ ሰሰለስተ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ይሕረዩ። ንዓና ሰለስቲኦም ናይቲ ዓመት ሰናይ ሰባት'ዮም።

ሰለስቲኦም ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ናይ ኣፍልጦ ወረቐት ይወስዱ። ካብ ሰለስቲኦም ዝበለፀ ዝበሃል ሓደ ሰብ ድማ ካብቲ ኮሜቴ ወፃኢ ብዝለዉ ናይ ደገ ዳያኑ ይምረጽ'' ይብል።

'ሽልማት በጎ ሰው' ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጽቡቕ ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም ንዝበሎም ኢትዮጵያውያንን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰናይ ስራሕ ዝሰርሑ ተወለድቲ ካልእ ዓድን ኣፍልጦ ሂቡ እዩ።

እንተኾነ፤ እዚ ሽልማት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን እዩ ዘተኩር ብዝብል ይንቀፍ እዩ።

ኣይተ ቀለመወርቅ ብዛእባዚ ክዛረብ እንከሎ ''ብውሱን መልክዑ ሓቅነት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

ይኹን ደኣ'ምበር ሕፁያት ምቕባል ከምዝጀመርና ኣብ ክልላት ብዝርከባ ኤፍኤም ሬድዮታት መልእኽቲ ንዝርግሕ ኢና'' ይብል። እቶም ቅድሚ ሕዚ ዝተሸለሙ'ውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ምዃኖም እቲ ጸሓፊ ይገልጽ።