ሞት ኒፕሰይ ብዝምልከት ብዙሓት ኣዘራረብቲ ዛዕባታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተልዓሉ እዮም

ኒፕሰይ ሃስል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒፕሰይ ሃስል

ፖሊስ ብቕትለት ኒፕሰይ ሃስል ዝጠርጠሮ ወዲ 29 ዓመት ኤሪክ ሆልደር፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘውዓሎ ክገልጽ እንከሎ፡ መንቀሊ እቲ ቕትለት ግን ብዙሓት ኣዘራረብቲ ዛዕባታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተልዓሉ እዮም።

ምኽንያት ቅትለት ኒፕሰይ ምስ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 2016 ዝሞተ ብ ዶክተር ሰቢ ዝፍለጥ፡ ሆንዱራዊ ኣልፈርዶ ቦውማን፡ ዝተተሓሓዘ ሽርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝንገር ዘሎ።

ቶም ጥርጣረታት እንታይ እዮም ?

Sኒፕሰይ ሃስል

ምንጪ ስእሊ, YouTube

መግለጺ ስእሊ, ኒፕሰይ ሃስል

ዋላኳ መረዳእታታት እንተዘይሃለዉ፡ ቅትለት ኒፕሰይ ብመንግስቲ፥ መድሓኒት ዘፍርዩ ትካላት ውይ ድማ ዓለምና ብምስጢር ተቖጻጺሮምዋ ዝበሃሉ ጉጅለ ኢሉሚናቲ፡ ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት እናተዘረበ እዩ።

ደገፍቱ ብዛዕባ እቲ ቐማሚ ባህላዊ መድሓኒት ዶክተር ሰቢ፡ ሰነዳዊ ፊልሚ ይሰርሕ ስለዝነበረ እዩ ተቐቲሉ ይብሉ።

እዚ ዝገልጽ ሓሳባት ብዙሓት ቪድዮ ኣብ ዩቲዩብ እናጸዓኑ፡ እቶም ቪድዮታት ማሕበረሰባዊ ስርዓታት ክሳብ ዘይጠሓሱን ናይ ጽልኣትን ምግላልን ትሕዝቶ ክሳብ ዘይሃለዎምን፡ ሓሳቦም ምግላጾም ጸገም ከምዘይብሉ ዩቲዩብ ገሊጹ።

ኣብ ገጽ ትዊተር ብተመሳሳሊ ንዶክተር ሰቢን ብተደጋጋሚ ናብ ሆንዱራስ እናኸደት እትረኽቦ ዝነበረት ድምጻዊት ሊዛ ሎፒስን እናተጠቐሱ እዮም።

ሊዛ ሌፍት ኣይ ሎፔዝ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ 2002 ናብ ሆንዱራስ ብምኻድ ንዶክተር ሰቢን ምስ ረኸበቶ እያ ኣብታ ሃገር ብሓደጋ መኪና ዝሞተት።

ብተወሳኺ እቲ ራፐር ''ሓያላት ጸላእቲ ክህልዉኻ ትዕድልቲ እዩ'' ክብል ቅድሚ ምሟቱ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ነቲ ጥርጣረታት ኣጋዲዱዎ እዩ።

ዶክተር ሰብሪን ኒፕሰይ ሃስልን እንታይ የራኽቦም?

ሊዛ ሎፔዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሊዛ ሎፔዝ

ናይ ሕክምና ትምህርቲ ይኹን ፍቓድ ዘይነበሮ ዶክተር ሰቢ፡ብዙሓት ፍሉጣት ዓማዊል ዝነበሩዎ ቀማሚ ባህላዊ መድሓኒት ነይሩ።

ሊዛ ሎፔዝ፥ ጆንትራ ቮልታን ማእክል ጃክሰንን ዓማዊሉ ከምዝነበሩ'ውን ይንገር።

ዶክተር ሰቢ፡ ንሕማማት ኤይድስ፥ ኣዝማ፥ መንሽሮ፥ ሕማም ሽኮርን ካልኦት ሕማማትን ዝፍውሱ መድሓኒታት ከም ዝረኸበ ይዛረብ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ብስም ''ኡሻ'' ዝፍለጥ ማእከል ምርምር ዶክተር ሰቢ ኣፋውሱ ንዕዳጋ ከይወርድ ክኽልከል ተገይሩ እዩ።

ብ 1987 ''ኡሻ'' ምንም ዓይነት ሕክምናዊ ስራሕ ከይሰርሕ ምስ ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ ከም ዝተሰማመዓን፡ ኣብ 1993 ድማ እቲ ንሱ ዘፍርዮ ዝነበረ ፈውሲ ናይ ሕሶት ከምዝኾነ ዝገጽ ክሲ ቀሪቡሉ እዩ።

ዶክተር ሰቢ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብ2016 ኣብ 82 ዕድሚኡ ኣብ ሆንዱራስ ሞይቱ።

ኒፕሰይ ሃስል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒፕሰይ ሃስል

ኒፕሰይ ሃስል ስራሓት ዶክተር ሰቢ ሓቂ ከም ዝኾኑ እዩ ዝኣምን ነይሩ።

ካብ ናይ 2018 'ቪክትሪ ላፕ' ኣልበም ኒፕሰይ ሃስል፡ 'ብሉ ሌስስ 2' እትብል ደርፊ ንዶክተር ሰቢ እዩ ደሪፍዋ።

ኣብታ ደርፊ '' ጥዕና ይምህር ንዝነበረ ዶክተር ሰቢ ቀቲሎምዎ'' ዝብል ተለላ ኣለዎ።

ኒፕሰይ፡ ኣብ 1980ታት ብዛዕባ ንዶክተር ሰቢ ዝቐረቡ ክስታት ዝምልከት ሰነዳዊ ፊልሚ እናሰርሐ ነይሩ።

ሞት ኒፕሰይ ስዒቡ፡ ተዋሳኣይ ኒክ ካኖን እቲ ኒፕሰይ ዝጀመሮ ሰነዳዊ ፊልሚ ከምዝውደኦ ገሊጹ።

ኒክ ካኖን ''ንኹልና ቀቲሎም ኣይውድኡናን'' ክብል ኣብ ኢንስታግራም ገጹ ዝጸሓፈ ክኸውን እንከሎ፡ ቪድዮታት ዶክተር ሰቢ'ውን ለጢፉ እዩ።