ኣብ ሰሜን ጎንደር ካብ ዘምለጡ 17 እሱራት ዛጊድ ዝተትሓዘ የለን

ካርታ ክልል ኣምሓራ

ኣብ ሰሜን ጎንደር፡ ወረዳ ዳባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘምለጡ እሱራት ዛጊድ ዝተትሓዘ ከምዘየለ ፖሊስ ገሊጹ።

ትማሊ ረቡዕ፡ ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሮም ኣብ መደብር ፖሊስ ተኣሲሮም ዝነበሩ 17 እሱራት፡ መንደቕ እቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ክፍሊ ብምፍሓር እዮም ኣምሊጦም።

እቲ ናይ ማእሰርቲ ክፍሊ ብዕንጨይትን ጭቃን ዝተሃነጸ ብምንባሩ፡ እቶም እሱራት ብቐሊሉ ክከምልጡ ከምዝሓገዞም ይግለጽ ኣሎ።

ካብቶም ዘምለጡ እሱራት እቶም ክልተ፡ ብገበን ቅትለት ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ዝነበሩ ምዃኖም ኣዛዚ ፖሊስ ሰሜን ጎንደር ምክትል ኮማንደር ደሴ ሙሉየ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ክፍሊ ዝኣረገ ብምዃኑ እዮም ከምልጡ ክኢሎም ድማ ኢሎም።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ካልኦት ሸሞንተ ተወሰኽቲ እሱራት እኳ እንተነበሩ ምስቶም ዘምለጡ ግን ኣይወጹን።

ምክትል ኮማንደር ደሴ ሙሉየ፤ እቶም ሾመንተ "ሕጊ ኣኽቢሮም እዮም ተሪፎም" ዝበሉ ክኸውን ከሎ፤ እቶም ዘምለጡ እውን እንተኾነ ካብ ደገ ዝሓገዞም ዝኾነ ኣካል የለን ኢሎም።

ብጀካ እቶም ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ክልተ እሱራት፡ እቶም ዝተረፉ ሓረስቶት ስለዝኾኑ፡ መዝገቦም እናረኣና ከካብ ዓዶም መሊስና ክንኣስሮም ኢና ኢሎም እቶም ሓላፊ።